ማሊ፡ እንኮ ትሽዓተ መናቱ ዓለምና ቀዳማይ ዓመት ልደቶም ጸንቢሎም

ማላውያን 9 መናቱ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይኖም ቀዳማይ ዓመት ልደቶም ትማሊ ከም ዘኽበሩ ተፈሊጡ።

ኣብ ዓለም እንኮ ካብ ሓደ ጥንሲ ዝተወለዱን ብህይወት ዘለዉን ትሸዓተ መናቱ ኣብ “ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይኖም” ቀዳማይ ዓመት በዓል ልደቶም ከም ዘኽበሩ ኣቡኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኩሎም ይፋሓዅ ኣለዉ። ገሊኦም ኰፍ ይብሉ፤ ዝኾነ ነገር እናተደገፉ’ውን ታተ ክብሉ ጀሚሮም” ይብል ኣባል ሰራዊት ማሊ ዝኾነ ኣቦ እቶም ህፃናት ኣቡበከር ኣርቢ።

እቶም ህፃናት ክሳብ ሎሚ ኣብታ ዝተወለዱላ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ክትትል ይግበረሎም’ዩ።

ጓል 26 ዓመት ኣደ እቶም መናቱ ሓሊማ ሲሴ ‘ውን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምእትርከብ ኣቡበከር ገሊፁ’ሎ።

“ቀሊል ነገር'ኳ እንተዘይኮነ ግን ከኣ ዓብዪ ነገር እዩ። ገለ እዋናት ድኻም እንተተሰምዓካ’ውን ኩሎም ህጻናት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኮይኖም ክትሪኦም ከለኻ ቅሳነት’ዩ ዝስምዓካ። ንኹሉ ነገር ኢና ንርስዖ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ንጓል 3 ዓመት ጓሎም ሱዓዳ ሒዙ፡ ናብ ሞሮኮ ብምምላስ፡ ምስ ሰበይቱን ምስቶም ትሽዓተ መናቱ ደቁን ተራኺቡ።

“ምስ ምሉእ ስድራይ ብምርኻበይ ኣዝየ ተሓጒሰ ኣለኹ” ክብል ድማ ስምዒቱ ገሊፁ።

ኣብቲ ንእስ ዝበለ ውራይ በዓል ልደት እቶም መናቱ ነርስታትን ጎረባብቶምን ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ኣቡበከር ኣርቢ “ከም ቀዳማይ ዓመት ዝበለ ነገር የለን። ነቲ ነሕልፎ ዓብዪ መዓልቲ ክንዝክሮ ክንነብር ኢና” ኢሉ።

እቶም መናቱ ህፃናት ካብ ሓደ ጥንሲ ተወሊዶም ብህይወት ዘለዉ ብዝብል ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ክሰፍሩ በቒዖም ኣለዉ።

ኣደ እቶም ህጻናት ናብ ሕርሲ ምስ ተቓረበት መንግስቲ ማሊ በዓልሞያ ሕክምና መዲቡ ኣብ ሞሮኮ ከይዳ ብዝሓሸ ክትትል ክትወልድ ከም ዝገበረ ይዝከር።

ብዙሓት መናቱ ዝርከብዎ ጥንሲ ዝተሰከማ ኣዴታት ንሓደጋ ዝተቓልዓ ከም ዝኾና ዝግለጽ ኮይኑ፤ ኣብ ገለ ምንፃል ጥንሲ ሕጋዊ ዝኾነለን ሃገራት ገሊኦም ካብቶም ድቂ ክንፀሉ ከም ዝምዕዳ ይግለፅ።

እቶም ህጻናት እውን ኣብ ዘይመዓልቶም ዝውለዱሉ ኩነታት ስለ ዝህሉ ንኸም ናይ ሓንጎል መልመስቲ ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ዝቃልዑሉ ኩነታት ኣሎ።

እቶም ማላውያን 9 መናቱ ኣብዚ እዋን ኣብ ሞሮኮ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምስ ኣዲኦም ይነብሩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኩነታት ኣመጋግብኦም ከይተረፈ በቲ ክሊኒክ ክትትል ከም ዝግበረሉ ኣቡበከር ኣርቢ [ኣቦ እቶም መናቱ] ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮ ኣርባዕተ ድማ ደቂ ተባዕት እዮም። ኩሎም ከኣ ነናቶም ባህርያት (ጠባይ) ከም ዘለዎም ኣቦኦም ገሊፁ’ሎ።