እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶማሊያ፡ ኣልሸባብ 170 ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ቀቲለ ኢሉ
ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ካብ ዘለዉ ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ልዕሊ 170 ከም ዝቐተለ ገሊፁ።
እቲ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ልዕሊ 170 ብሩንዳውያን ወተሃደራት ከም ዝቐተለ ኣፍሊጡ።
እቶም ዜጋታት ብሩንዲ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣካል እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም’ዮም ናብታ ሃገር ተዋፊሮም።
ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ መግለፂኡ፡ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቖጻጸረ’ውን ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ወተሃደራዊ መዋፈሪ ካብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ሞቓዲሾ ንኣንፈት ሰሜን-ምብራቕ ልዕሊ 100 ኪሎ ሜትር ዝርሕቕ ኮይኑ፤ እቶም ወተሃደራት ዝዓስከሩሉ ነይሩ።
ኣልሸባብ ፈጺመዮ ዝብሎ ዘሎ ቅትለት ልዕሊ 170 ወተሃደራትን ምቁጽጻር ወተሃደራዊ መዋፈርን ግን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ምፅራይ ኣይተኽኣለን።
ድምጺ ከበድቲ ኣጽዋርን ካብ ሄሊኮፕተራት’ውን ተኹሲ ኣጽዋርን ይስማዕ ከም ዝነበረ ግን መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣንፃር ማእከላይ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘካይዶ ኲናት ናይ ቦምባታትን ጠበንጃታትን መጥቃዕቲታት ብቐጻሊ ከም ዘካይድ ይፍለጥ።