ዝኽሪ ግንቦት ብዲፕሎማት መንእሰይ ዘርኣስላሰ ረድኢ ሽከር፡ ሊድስ ዓባይ ብሪጣንያ

ወርሒ ግንቦት ኣብ ብዙሓት ሰባት ፍሉይ ዝኽሪ ኣለዋ። ብሽቕለት ብዝመጽአ ኣብ መላእ ዓለም ከም መዓልቲ ሰራሕተኛታት ትኽበርን ትበዓልን።
ኣብታ ዕለት ኣደታት ገጠር፡ ጥጥቘ ጠጢቐን፡ ስረ ሰብኡት ተኸዲነን ዕርፍን ነዊትን ሒዘን ፈጣሪ ዝናብ ከዝንበለን ክምህለላ ይውዕላ። እቶም ምእንቲ ናጽነትን ሰብኣዊ ክብረትን ን30 ዓመታት ተቓሊሶም ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነቶም ዝተጐናጸፉ ኤርትራውያን ንወርሒ ግንቦት ብፍሉይ ይዝክርዋ።
ኤርትራዊ ዲፕሎማት መንእሰይ ዘርኣስላሰ ረድኢ፡ ነዛ ወርሒ 'ዚኣ ከም ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኽርን ኣጠማምታን ኣለዎ። ወለዱ ከም ኵሉ ብሕርሻ ዝነበባር ዓዃይ፡ ብዝተፈለላየ ማእዝናት ዓዶምን ጐደቦታቶምን ዝተኣኻኸብ ደበናን ዘትክል ሰርብን እናቋመቱ፡ "ማይና ይግበሮ" ብምባል ብተስፋ የማዕድው።
ዘርኣስላሰ፡ ማሓሰስርዋ ኣብ እትበሃል፡ ኣብ ከባቢ ዒላበርዕድን ተረንኳን፡ መገዲ ደብረሲና እትርከብ ንእሽቶ ገጠር እዩ ተወሊዱ። ወለዱ ብሕርሻን መጓሰን ስለዝነባበሩ ንወለዱ እናተላእከን ኣብ ማሕረስ እናተሓጋገዘን ዓበየ።
ወላዲኡ ኣብ ርእሲ እቲ ብስሩዕ ዘካይድዎ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ብኢጣልያዊ ኣውፋሪ ኣብ ዝመሓደርን ዓቢይ ምህርቲ ሰደድ ዘፍሪ ኣብ ዝነበረ ዘመናዊ ጀራዲን ዒላበርዕድ ብሓላፍነት ይዓዩ ስለዝነበሩ መነባብሮኦም ዝምስገን'ዩ ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ዘርኣስላሰ ምስ መዛንኡ ቈልዑ ዓዶም፡ ጥሪቱ ሒዙ ናብቲ ወትሩ ዝጓስየሉ በረኻታት ዓዶም ምስ ወፈረ፡ ሃንደበት ኣብቲ ኣእማን ዝበዝሖ ጸዳፍ ጐቦታት ሸተት ኢሉ ወደቐ'ሞ ብኸቢድ ተጐድአ።
ሽዑ ርዳእ ርዳእ ኮይኑ ዓበይቲ ካብቲ ዝወደቐሉ ኣልዒሎም ሒዞምዎ ንሕክምና ጐየዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ዒላበርዕድ ነቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታትን ስድራቤታቶምን ዘገልግል ዝምስገን ሕክምና ነይሩ። ዘርኣስላሰ ከኣ ኣብቲ ክሊኒክ ግቡእ ሕክምናዊ ረድኤት ተገብረሉ።
ዝተሰብረ እግሩ ምስተመሓየሸ ከኣ ወላዲኡ ኣብ ክሳዶም ሓንጊሮም ሒዞምዎ ንዓዲ ኣተው። ዘርኣስላሰ ነታ ኣብ ዝባን ወላዲኡ ተሓንጊሩ ናብ ደንበኦም ዝኣተወላ ምሸት ኣይርስዓን እዩ። ሎሚ እውን እንተኾነ ነቲ ፍጻመ ምስ ዝርዝራቱ እዩ ዝዝክሮ።
ኣብ ገዛ ምስ ኣተው ወላዲቱ ንዕኡን ንበዓል ቤታን ብዝርካባ ትሕዝቶ ዓንገለቶም። ሰብኣይን ሰበይትን መስበርቲ ውላዶም ቀልጢፉ ጸጊኑ ከም ቀደሙ ዲር-ዲር ክብል እናተመነዩ፡ "እንቋዕ ካብኡ ዝኸፍእ ኣይመጽአ" ብምባል ንፈጣሪኦም ኣመስጊኖም ተደዓዓሱ። ብሕክምና ርሒቑ ዝጸንሐ ሓዎም ዝመጽኦም ንእሽቱ ኣሕዋቱ'ውን ብናፍቘት ኣብ ከባቢኡ ዓጐጉ፣ እታ ስድራ ቤት ከኣ ብሓጐስን ተስፋን ማሞቘት።
እንተኾነ ድሕሪ ቅሩብ ነቲ ሕጕስ ሃዋህው ዝዘርግ ሓደ ክስተት ኣጓነፈ። ሽዑ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ዓሪዶም ካብ ዝነበሩ ዓሳክር ደርግ፡ ካብ መሳርዑ ሞሊቑ፡ ምስ ዕጥቁን ብረቱን ሓደ ወተሃደር ናብታ ስድራ መጺኡ፡ ንኣቶ ረድኢ ተዳህዩ "ናብ ሻዕብያ ውሰደኒ" በሎም።
ስድራ ኣቶ ረድኢ ዝነብርሉ ደምበ ክልተኦም ተጻረርቲ ዕጡቓት፡ ወተሃደራት ደርግን ንናጽነት ዝቃለሱ ኤርትራውያን ዕጡቓትን ዝንቀሳቐስሉ ተወራራሲ ቦታ ስለዝነበረ፡ ኣቶ ረድኢ ብጥዕና እቲ ወተሃደር ኣይተኣማመኑን። ብለይቲ መጺኡ 'ናብዚ ውሰደኒ፡ ናብዚ ኣብጽሓኒ' ዝብል ሰብ መን ክኸውን ይኽእል?
ልብን ሓሳብን ኣቶ ረድኢ ክፈልጥ ዝደለየ ኣባል ስለያ ስርዓት ደርግ እንተኾነኸ? ብጾቱ ኣብቲ ከባቢ ተሓቢኦም ወይ ኣድብዮም እንተለውኸ? ስለዝተጠራጠሩ፡
"ሻዕብያ ኣብ ዘለውዎ'ኳ ኣይፈልጥን እየ። ግን ኣብዞም ጐረባብቲ ክሓተልካ ሓንሳብ ዓቕሊ ግበር" ኢሎም ካብ ኣፍደገ ደምበኦም ናብቲ ኣጕዶ ግልብጥ ምስ በሉ፡ እቲ ወተሃደር ኣድራጋ ጠያይት ተኲሱ ንኣቶ ረድኢ ኣብ ማእከል ደምበኦም ኣውደቘም።
ንስድራ ዘርኣስላሰ ረድኢ እንታይ ኣጋጢምዋ
እታ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ብምውቕ ፍቕሪ ክትስሕቕ ዝጸንሐት ስድራ ሃንደበት ዝናብ ጠያይቲ ተኻዕዋ። ኣቶ ረድኢ ብኸቢድ ስለዝተሃርሙ ነዊሕ ከይጸንሑ ዓረፉ። በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ምልእተ ወልደሓንስ'ውን ብኸቢድ ተሃሪማ ወደቐት። ዘርኣስላሰ ዝርከቦም ሕንጫላት ቘልዑ ከኣ ኣብቲ ደምበ ተበታተኑ። ሽዑ ዘርኣስላሰ ወዲ ሸውዓት ዓመት እዩ ነይሩ።
ስለዝዀነ'ዩ ኸኣ ዘርኣስላሰ ነቲ ፍጻመ ክርስዖን ብድፍረት ክዛረበሉን ዘይክእል። ነታ ዕለትን እቲ ፍጻመን እናኽዝክር ነቲ ብልቢ ዘኽብሮ፡ ዘሐንቅቘን ዘፍቅሮን ዝነበረ ክቡር ወላዲኡን ነቲ ኣብ ልዕሊ ወላዲቱ ዝሰዓበ ሽግርን መከራን ስለዝዝክር ክሳብ ሕጂ እዩ ዘቐንዝዎ።
እቲ በዚ መጽአ ዘይተባህለ ብራርያ ወተሃደር ሰላም እታ ቤት ዘሪጉን ህይወት ንጹሃን ቀዚፉን ናብቲ በረኻታት ተሸርበ።
ድምጽን ኣውያትን ዝሰምዑ ሰብ ደምበ ጐረባብቲ ከኣ ከካብ ዘለውዎ ውሒዞም፡ ንኣቶ ረድኢ ነጸላ ኣውደቑሎም። ንመውጋእቲ ወይዘሮ ምልእተ ጀኒኖም፡ ንሕክምና ንከረን ጐየዩ።
ነቶም ንስክላ ካብ ሞትን መውጋእትን ዝደሓኑ፡ ወላዲኦም ዝተመንጠሉ ዘርኣስላሰን ኣሕዋቱን ኣደኦም ካብ ሕክምና ምስ ወጸት፡ ኣብ ዓዶም ብቐረባ ክኣልዮም ዝኽእል ስለዘይነበረ፡ ኣኻኺቦም ናብ እንዳ ኣደኦም ናብ ከረን ወሰድዎም።
ወይዘሮ ምልእተ ብዙሕ ደም ስለዝፈሳ የማነይቲ እግረን ተቘርጸ። ብሰንኪ እቲ ሃንደበት ዝወረደ መሪር ግፍዒ ዓስከር መግዛእቲ እታ ሽኮ እግራን እተኽብሮ በዓል ቤታን ተመንጢላ ኣደዳ ሓዘንን ጓህን ኰይና ኣብ ዑቕባ ወላዲኣን ኣሕዋታን ወደቐት።
"ኣምላኽ ጸድፊ ይፈጥር እሞ መደያይቦ ይገብረሉ" ከምዝበሃል ግን፡ ኣሕዋታን ቤተሰባን፡ ዘኻትም ደቃ ኣብ ምምሃርን ምዕባይን ሓላፍነት ወሲዶም ብዅሉ ዝኽእልዎ ደገፉዋ። ዘርኣስላሰ'ውን ብዓቕሙ ንወላዲቱ እናተማእዘዘ ኣብ ከተማ ከረን ብተገዳስነት ትምህርቱ ተኸታተለ።
ወይዘሮ ምልእተ ከም ቀደማ ንበረኻ ወፊራ ናብራ ሕርሻ ከተማልእ'ኳ እንተዘይከኣለት፡ ኣብ ገዛ ኰይና ግን ንደቃ እኽለ ማይ ብምድላውን ብልዑል ኣደኣዊ ፍቕርን ሓልዮትን ኮስኲሳ ኣዕብየቶም።
"እቲ ፍቱው ክቡር ወላዲየይ ብሓደ ብራርያ ወተሃደር ደርግ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብጥይት ክወድቕ ምስ ረኣኽዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሳክር መግዛእቲ ክቱር ጽልኢ ኣሕዲረ። እቶም ከም ዝደለይዎ ህይወት ሰብ ዘሕልፉ ዝነበሩ ጸላእቲ፡ ብተጋደልቲ ተሳዒሮም ካብ ኤርትራ ክወጽኡ ከኣ ናይ ወትሩ ምንዮተይ ነይሩ፡" ይብል ዘርኣስላሰ።
ወትሩ ከኣ ሕነ ወላዲኡ ክፍደን መወዳእታ ግዝኣቶም ክርእን ሃንቀው ይብል ነበረ። ስለዝኾነ ከኣ'ዩ እቶም ነቦኡ ቐቲሎም ነደኡ ዘሰንከሉን ዳርጋ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘጽነቱ ወተሃደራት ኢትዮጲያ ተሳዒሮም ብከረን ኣቢሎም ንሱዳን ገጾም ክሃድሙ እንከለው ብሓጐስ ዝተፈንጨሐ።
"ደጊም ካብ ዝኾነ መዓስከር ብዝመጽአ ብራርያ ዕጡቕ ወተሃደር ዝቕተል ንጹህ ኤርትራዊ የሎን፡" ብማለት ከኣ ፍሉይ ስምዒት ተሰመዖ።
ስዕረት ወተሃደራት ደርግ ምስ ተበሰረ፡ ሓደ ኣብ ከረን ታሪኽ ዝምህሮም ዝነበረ ወዲ እቲ ኸባቢ መምህሮም ብረት ዓጢቑ ምስ ረኣይዎ፡ ዘርኣስላሰን ብጾቱን ኣዝዩ ገረሞም።
ብቐደሙ'ውን ነቲ መምህር ብኣመሃህራኡ ይፈትውዎ ስለዝነበሩ፡ ምስ ተጋደልቲ ብምስጢር ተወዲቡ ክሰርሕ ብምጽንሑ ነኣድዎ። ካብኡ ዝብገስ ከኣ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ታሪኽ ልዑል ተገዳስነት ኣሕደረ። ብትምህርቲ ጽቡቕ ሰጒሙ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብፖለቲካዊ ሳይንስን ታሪኽን ብልዑል ነጥቢ ብዲግሪ ተመረቐ።

'ስርዓታት ከየድትን መጻእትንእዮም'
"ክብርን መንነትን ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዘሕለፎ ሓባራዊ ታሪኽ ስለዝንደቕ፡ እዚ መንእሰይ ወለዶ ታሪኽ ሃገሩን ህዝቡን ክፈልጥ ኣለዎ። ታሪኽ ዘይብሉ መጻኢ የብሉን። ሓቂ እዩ ምስ ናጽነት ዝተቐበልናዮ ስርዓት ኣብ መስርሕ ንዅሉ መብጽዓን ትጽቢትን ህዝቢ ጠሊሙ ንህዝቢ ብምልኪ ይገዝእ ኣሎ። ግን ከኣ ስርዓታት ከየድትን መጻእትን ስለዝኾኑ እዚ መንእሰይ ወለዶ ግድን ታሪኹ ክፈልጥን ተካኢ ቀዳሞት ክኸውን ክዳሎ ይግባእ፡" ክብል ምኽሩ ይልግስ።
ኣብ ፈለማ 2000 ከም ዲፕሎማት ንኸገልግል ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተመዲቡ በብቕሩብ እናዓበየን እናተሞኮረን ንኤርትራ ምስ ዝወኩሉ ምኩራት ዲፕሎማት ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ኣብ ዝተፈለላየ መጋባእያታት ተሳቲፉ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ናይጀርያ ኣምበሳደር ኤርትራ ምስ ዝነበረ፡ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ገዲም ተጋዳላይን ዲፕሎማትን ኣምባሳደር መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ከም ቆንስል እቲ ኤምባሲ ኮይኑ ሰሪሑ። እንተዀነ እቲ ምሕደራን ኵሉ ዅነታት ሃገርን ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ቦታኡን መዝነቱን ገዲፉ ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ ዑቕባ ሓቲቱ ይነብር ኣሎ።
ዘርኣስላሰ፡ "ኣብ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ኤርትራ ክዓብን ክዕምብብን እምበር ካብ ሃገር ወጺአ ስደተኛ ኰይነ ኽነብር ሓሲበ ኣይፈልጥን፣ ግን ብሰንኪ ዘይቅቡል ምሕደራ ነዚ ከቢድ ውሳነ ክውስን ተገዲደ፡" ይብል።
ዘረባኡ ብምቕጻል፡ "ካልእ ይትረፍ ባህሪ'ውን ናይ ገዛእ ርእሱ መካኒዝም ስለዘለዎ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ለውጢ ምምጽኡ ዘይተርፍ እዩ። ኤርትራ ከኣ ክትዓብን ክሓልፈላን እዩ፡" ክብል ነታ ካብ ዝኽሩ ዘይትእለ ወርሒ ግንቦት ብዓሚቝ ስምዒትን ትዝታን ይዝክራ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







