እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነድሪ መላግቦ ንዘለዎም ሰባት፡ ምውስዋስ ኣካላት ጽቡቕ ምዃኑ ትፈልጡዶ?
ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ (ኤን-ኤች-ኤስ) ጸገማት ነድሪ መላግቦ (ኣርትራይትስ) ዘለዎም ሰባት፡ ምውስዋስ ኣካላት ከም ቀንዲ መድሃኒት ክርእዩዎን ክጥቀምሉን ከምዝግባእ ሓቢሩ።
ምንቅስቓስ ዘዘውትሩ ሰባት ኣብ ፈለማ ከቐንዙዎም ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ዳሕራይ ግን በብቕሩብ ክለማመድዎን ካብ ቃንዛኦም ክመሓየሹ ከምዝኽእሉን እቲ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ሓዲሽ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ርእሲኡ እቶም ጸገማት ነድሪ መላግቦ ዘለዎም ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ሚዛን ሰብነቶም ክቕንሱ ከምዝግባእ'ውን እቲ ሓበሬታ ጥዕና ይምሕጸን።
ነቲ ሕማም ንምድህሳስ ብቐጻሊ ዝካየድ ኤክስረይ፡ ብተደጋጋሚ ዝወሃብ መዐገስ ቃንዛ መድሃኒትን ንመላግቦ ኣብራኽ ዝትክእ ነገርን ብዙሕ ከምዘይድገፍ እቲ መጽናዕቲ ይመክር።
ነድሪ መላግቦ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዝረአ ጸገም ጥዕና እዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ 45 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመኦም ኣስታት 7.4 ሚልዮን ሰባት በቲ ጸገም ዝተጠቕዑ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ነድሪ መላግቦ ብዕድመን ልዕሊ ዓቐን ርጉድን መጉዳእቲ ኣካልን ዘጋጥም ኮይኑ፡ ኣብ ገሊኦም ቅልል ዝበለ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገለ ግን ሕብጠትን ምዕርዳድ መላግቦን ቃንዛን የኸትል።
ምውስዋስ ኣካላት ቅሩብ ክብድ ክብል ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ልዕሊ መድሃኒታት ፈውሲ ቃንዛ እቲ ዝሓሸን ውጺኢታውን ምዃኑ፡ ሊቃውንቲ እቲ ዓውዲ ይሕብሩ።
ብዛዕባ እዚ ሕማም ዝግደስ ማሕበር ግብረ ሰናይ እቲ ብትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋህበ መምርሒ ነቶም ነድሪ መላግቦ ዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ሓጋዝን ተስፋ ዝህብ ምኽርን ምዃኑ የረድእ።
ወሃቢት ቃል ዶንዲ ሆልደን እውን፡ "ብዙሓት ሰባት ብጌጋ፡ ምውስዋስ ኣካላት ንነድሪ መላግቦ መሊሱ ኽጐድኦ ከም ዝኽእል እዮም ዝኣምኑ። ይዅን እምበር እዚ መምርሒ'ዚ ኣዝዩ ኣገዳስን ንሕሙማት ብተስፋ ዘሐይልን፡ ኣብ ኣነባብራኦም ዓይነታዊ ለውጢ ዘኸትል ዝያዳ ምትእምማን ዘሕድር ምኽሪ እዩ፡" ክትብል እቲ ሓበሬታ ስቓዮም ዘቃልል ምዃኑ ሓቢራ።
ምውስዋስ ኣካላት ንጭዋዳታት ይሃንጽ፡ ሰባት ጥዕና ዘለዎ ክብደት ኣካላት ንኽህልዎም ይሕግዝ፤ በዚ ከኣ ንነድሪ መላግቦ (ኣስትራይትስ) ምቍጽጻር ይከኣል።
ምንቅስቓስ ኣካላት ክሳብ እተለማመዶ ንዝስዕብ ቃንዛ፡ ብፈኲስ ዓይነት ፈውሲ ቃንዛ ከኒናታት እምበር ከቢድን ብርቱዕን መዐገሲ ቃንዛ መድሃኒት ምውሳድ ከምዘየድሊ ይምከር።
ብሕማም ነድሪ መላግቦ ወይ "ሪሕ"፡ ዝግደስ ትካል ግብረ ሰናይ፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ጸገማቶም ዘቃልልሉ ምውስዋስ ኣካላት ንኽገብሩ ምምካር፡ ብጸረ ቃንዛ ሽግራቶም ከምዘዐግሱ ምግባር ከምዘይጠቅም ይሕብር። መተካእታ መለጋግቦ ብርኪ ምግባር እውን ኣይመክርን።
ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ ኣብ ሆስፒታላት ዝተፈጥረ ጸቕጢ፡ ቈጸራታት መጥባሕቲ ዝነበሮም ብዙሓት ሰባት ክሳብ ሕጂ ኣብ ትጽቢትን ነዊሕ ሪጋን ብምህላዎም፡ ምውስዋስ ኣካላት ዝምስገን ምኽሪ ምምሕያሽ ነድሪ መላግቦ ምዃኑ ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ደጊሙ የረድእ።
መስርዕ ሕክምና ነዊሕ ክኸውን ስለዝኽእል፡ መብዛሕትኦም ምትካእ ምሕኵልትን ብርኪን ዘድልዮም ሕሙማት ብምንቅስቓስ ኣካላት ቃንዛኦም ከውሕዱን ሽግራቶም ክፈትሑን ከምዝኽእሉ ይምከሩ።
ልዕሊ ዅሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ እታ ቕድሚ ዅሉ ኽገብርዋ ዝግባእ ምንካይን ምቁጽጻርን ክብደት እያ። ጥዑይ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ምዝውታር ኣብ መላግቦታት ንዝፍጠር ጸቕጢ ስለዝንኪ ሓጋዚ እዩ።
ኣባል ማሕበር ግብረ ሰናይ ምክልኻል ነድሪ መላግቦ ወይዘሮ ትሬሲ ሎፍቲስ፡ "እቲ ባዕልና ኣብ ልዕሊ ሕማም ኣርትራይትስ ዘለዎም ሰባት ዝገበርናዮ ምርመራ፡ ነታቶም ከምቲ ዝግባእን ክዀኖ ዝነበሮን ብሰብ ሞያ ጥዕና ይግምገምን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንኽገብሩ እኹል ደገፍ ይረኽቡ ኣይነበሩን፡" ኢላ።
"ካልእ ኣማራጺታት ስለዘይነበረ ከኣ እቶም ሕሙማት ፍታሕ ኣብ ዘይህብ ግዝያዊ መዐገሲ ፈውሲ ቃንዛ ክምርኮሱ ይግደዱ ነይሮም፡" ክትብል ነቲ ሕጽረታት ጠቒሳቶ።
ዓይነታት ምውስዋስ ኣካላት
ነቶም ጸገማት ነድሪ መላግቦ (ኣርትራይትስ) ዘለዎም ሰባት ሓካይሞም ወይ ፊዝዮተራፒስት እቲ ዝበለጸ ዓይነት ኣገባብ ምውስዋስ ኣካላት ክመኽርዎም ይኽእሉ እዮም፣
- ብሓፈሻ ግን ከም ብእግሪ ምጕዓዝ፡ ብሽክለታ ምዝዋርን ኣብ ማይ ምውስዋስ ኣካላት ምግባርን ዝኣመሰለ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎም ይሕበር።
- ጸገማት ብርኪ እንተ ሃልዩካ ጭዋዳታት ኣእጋርካን ኣስላፍካን ንምሕያል ዝሕግዝ ቅልል ዝበለ ሚዛኑ ዝሓለወ ፈኲስን ተዓጻጻፊን ልምምድ ጭዋዳታት ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ምድልዳልን ምሕያልን ጭዋዳታት ንቓንዛ ብርኪ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
- ህርመት ልብኻ ዘዛይድ ከም ኤሮቢክስ ምውስዋስ ኣካላት ዝኣመሰለ ንጥፈታት፡ ጥዕና ልብን ሰንቡእን ንምሕላው ጽቡቕ እዩ፣ እዚ ግን ኵሉ ሳዕ ብዓቐን ክኸውን ይግባእ።
- ዶክተር ፖል ክሪስ፡ "ጭዋዳታት ምብርታዕን፡ ኤሮቢክስ ምውስዋስ ኣካላትን ምግባር፡ ነቲ ኵነታት ኣብ ምቍጽጻር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰባት ዝሓሸ ዓይነት ህይወት ንኽህልዎም'ውን ሓጋዚ እዩ፡" ኢሉ።
- "እቲ ቃንዛ ንምዕጋስ ዝወሃብ ብርትዕ ዝበለ መድሃኒት ኣብ ነዊሕ እዋን ከም ወልፊ ኽምዕብል ከም ዝኽእል፡ ኣብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተረኽበ መርትዖ የረጋግጽ " ኢሉ።
- እዚ መምርሒ እዚ ግን ንኸም ሩማቶይድ ኣርትራይተስ ዝኣመሰለ ካልእ ዓይነት ነድሪ መላግቦ ከምዘይውክል ትካል ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ የረድእ።