እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጐንደር ዝተፈጥረ ግጭት ብዝተሓሓዝ፡ 280 ሰባት ከም ዝተኣስሩ መንግስቲ ኣፍሊጡ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጐንደር፡ ሰሉስ 18 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም [26 ሚያዝያ 2022] ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ 280 ውልቀሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ትማሊ ሓሙስ 20/04/2014 ዓ.ም [28/04/2022] ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ፌደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጐንደር ዝተፈጥረ ግጭት ዝተሳተፉን ነቲ ህውከት ኣብ ምጕህሃር ተንቀሳቒሶም ዝተባህሉን 280 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ክኣትው ተገይሩ 'ሎ ኢሉ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ ግጭት 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ምግላጹ ይዝከር።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ብሰንኪ'ዚ ግጭት ኣብ ርእሲ'ቲ ዝሰዓበ ሞትን መጕዳእቲን፡ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ ዕንወት ከም ዝወረደን፡ ሃብትን ንብረትን ማሕበረሰብ ሙስሊም ከም ዝተዘርፈን ኣፍሊጡ።
ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ፌደራል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ኣብ መንጐ እስላምን ክርስትያንን ዝተፈጥረ ግጭት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ካልኦት ከባቢታት 'ታ ሃገር፡ ብስም ሃይማኖት ህውከትን ዕግርግርን ክፈጥሩ ዝተንቀሳቐሱ ኣካላት ስጕምቲ ይውሰደሎም ምህላው ኣፍሊጡ'ሎ።
እዚ በቲ ሓይሊ ዕማም ዝተዋህበ መግለጺ፡ ነቲ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ [ዶ/ር] ይልቃል ከፋለ፡ "ነዚ ክልል ማእከል ክርፍስ ንምግባር፡ ተግባራት ሽበራ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ዘለው ኣካላት ዘየናሕሲ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ።
እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ትማሊ ሓሙስ ብመገዲ ቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ዝጋጠመ ግጭት ድሕሪ ምኹናን፡ ተሓተትቲ ዝዀኑ ኵሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ቃል ኣትዩ'ሎ።
ሓባራዊ መግለጺ ኣካላት ጸጥታ'ውን፡ "እዚ ኣብ ጐንደር ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ክልተ ሃይማኖታት ምትፍናን ብምፍጣር፡ ናብ ሃገራዊ ቍርቍስ ንምዕራጕ ዝግበር ዘሎ ውዲት እዩ" ብምባል ነዚ ኣብ ጐንደር ዝተፈጥረ ኵነታት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዕግርግር ንምፍጣር ጐስጓሳትን፡ ትምዩን ሓበሬታታትን ይዝርጋሕ ከም ዘለው ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ፡ "ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታትን ትካላት እምነትን፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ እቲ ግጭት ሃገራዊ መልክዕ ከም ዘለዎ ንምምሳል'ውን ፈተነታት ተራእዩ እዩ" ክብል ይውስኽ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ እቲ ህውከትን ዕግርግርን፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከም ዘስፋሕፍሕ ንምግባር፡ ዝተፈላለየ ሜላታትን ናይ ሓሶት ናይ ጽልኢ ሓበሬታ ዝዝርግሑ ኣካላት፡ ብሕጊ ዝሕተትሉ ኣገባብ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ እቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ተዋፊሮም ዘለው ካብ ተግባራቶም ክቝጠቡ ኣተሓሳሲቡ።
"ሎሚ'ውን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ኣጀንዳ ግጭት ፈጢርካ፡ ነታ ሃገር ንምሕማስ ዝግበር ፈተነ፡ ብትካላት ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዩ እዩ፡" ክብል ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ጐንደር ዘጋጠመ እንታይ እዩ?
ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ቢቢሲን ዘዘራረቦም ተቐማጦ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ መበገሲ'ቲ ብሰሉስ 18 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም [26/04/202] ዝተላዕለ ግጭት፡ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሸኽ ከማል ለጋስ ዝተባህሉ ፍሉጥ ዓቢይ ዓዲ፡ ንቐብሮም ዝኸውን እምኒ፡ ኣብ ጥቓ'ቲ መካነ-መቓብር ካብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ተወሲዱ ብዝብል ዝተላዕለ እዩ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተቐማጦ ጐንደር፡ መበገሲ 'ቲ ግጭት፡ ኣብ ቀብሪ እቶም ሸኽ ካብ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ንመቓብሮም ኢሎም ኣእማን ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ሓድሽ ዝተሰርሐ ቤተ ክርስያትን ክወስዱ ብምፍታኖም ዝተላዕለ ምዃኑ ገሊጾም።
"ካብ ቤተክርስያን ስለምንታይ እምኒ ተልዕሉ? ድሕሪ ምብህሃል፡ ናብ ናይ ጕጅለ ባእሲ ተቐይሩ" ኢሎም።
ሓጂ ዑስማን ብወኖም፡ "እዚ ትኽክል ኣይኰነን። ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ፡ እምኒ ዝተላዕለ ካብቲ መካነ-መቓብር እምበር ካብ ቤተ ክርስትያን ኣይኰነን። እዚ ብኻልኦት ኣካላት ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ፡ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ በደልትን ገበነኛታትን ንኸይተሓዙ፣ እቲ በደል ድማ ናባና ንምጽጋዕ ዝግበር ፈተነ እዩ" ኢሎም።
ካልእ ተቐማጢ ጐንደር'ውን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ጐንደር ከምዚ ዝበለ ሃይማኖታዊ ግጭት ተላዒሉ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ "ሓደ ዓቢይ ኣቦ ሞይቶም'ሞ ኣብ ቀብሮም ብጉዳይ እምኒ ግጭት ተላዒሉ ዝብል ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ መንጐ ዝኣተው ሓደ ሓደ መሳወርቲ ሽግር ነይሮም፣ ሕጂ ግን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም ኣለው፡" ኢሎም።
ሓጂ ዑስማን፡ እዚ ትማሊ ዝተራእየ ግጭት ሓድሽ ከም ዘይኰነን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት 7-8 ዓመታት ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ሽግር ምዃኑን የረድኡ።
"ልቢ ብምዕባይ፡ እቲ ሽግር ንኽፍታሕ ብተደጋጋሚ፡ ብደብዳበ ይዅን ብኣካል ምስ ዝምልከቶም መሓውራት መንግስቲ ዕቱብ ዝርርብ ክግበር ጻዕርታት ጌርና ኢና፡" ብምባል ሓጂ ዑስማን፡ "እንተዀነ ሓለፍቲ መንግስቲ ግቡእ ትዅረት ብሰንኪ ዘይምግባሮም ዝተፈጥረ ሽግር እዩ፡" ኢሎም።
እዚ ኣብ ጐንደር ዝተፈጥረ ሽግር፡ ሓያለ ኣባላት ማሕበረሰብ እስላም ኣቘጢዑ'ሎ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስጊድ ኣንዋር፡ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ።