እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ን20 ዓመታት ኣብ ጓንታናሞ ዝተኣሰረ ኣልጄሪያዊ ናብ ሃገሩ ተላኢኹ
ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብቲ ጽኑዕ ሓለዎ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣልጄሪያዊ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመለሰ ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣፍሊጦም።
ሱፊያን ቡርሃሚ፡ ብ2002 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሓደ ሕቡእ ገዛ ምስ ላዕለዋይ ኣባል ኣልቃዒዳ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ኣብ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ቦንባ ንምብጻሕ ኣብ ዝወጽአ መደብ ተሳቲፍኻ ብዝብል ክሲ ድማ ኣመሪካ ኣሲራቶ።
ሕጂ ግን፡ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣልጄሪያ ግቡእ ሰብኣዊ ኣተኣላልያ ከም እትገብረሉ ቃል ምእታዋ’ውን ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካ ባርሁሚ “መረጋገጺ ኩነታት ድሕነት እንተተዋሂቡና" ናብ ትውልዲ ሃገሩ ይመለስ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ይጠቅስ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣመሪካ "ጓንታናሞ ቤይ ንክዕጾን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ውልቀሰባት ናብ ካልኦት ቦታታት ንክመሓላለፉን ኣንጄሪያን ካልኦት ሃገራትን ንዝገብርኦ ሃገራት ነመስግን" ይብል።
ካብዚ ወጻእ እቲ ሚኒስትሪ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ባርሁሚ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ኣልጄሪያ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ብወግዒ ዝሃበቶ ርኢይቶ የለን።
እቲ ሕጂ ዝፍታሕ ሲፊያን ባርሁሚ ሓዊሱ 37 እሱራት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ጓንታናሞ ቤይ፡ ማእከል መደብር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ደቡብ ምብራቕ ኵባ እዩ።
እዚ ቤት ማእሰርቲ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ኣመሪካ ኣብ እትገብሮ ኲናት ሽበራ ዝተትሓዙ ዘይሕጋዊ ተዋጋእቲ እትብሎም ሰባት ክትኣስረሉ ጸኒሓ።
ብፍላይ ድሕሪ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 9/11 ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ተታሒዞም ኣብዚ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበሮ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም።