ኣርባዕተ ሃገራት ኤውሮጳ ብስለላ ዝጠርጠራኦም ልዕሊ 40 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰጒገን

ሚኒስተሪ ጉዳይ ወጻኢ ቤልጅም ሶፊ ዊልሜስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ቤልጅም ሶፊ ዊልሜስ

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣየርላንድ፡ ቤልጅም፡ ኔዘርላንድስን ቼክ ሪፐብሊክን 43 ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ ካብ ሃገረን ክወጽኡ ኣዚዘን።

እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖላንድን ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ዝወሰዳኦ ስጕምቲ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቤልጅም ሶፊ ዊልሜስ፡ እቲ ምስጓግ፡ "ምስ ድሕነት ሃገርና ዝተሓሓዝ'ዩ፡" ክትብል ንኣባላት ባይቶ ሃገራ ተዛሪባ።

ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ኤምባስን ኣብ ኣንትዋርፕ ኣብ ዝርከብ ቆንስልን ሩስያ ዝሰርሑ 23 ኣባላት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተነግሮም ሓቢራ።

እቲ ስጉምቲ ምስ ጐረቤት ሃገር ኔዘርላንድስ ብምውህሃድ ዝተወስደ ምዃኑ ከኣ ገሊጻ።

ሰብ መዚ ስለያ ኔዘርላንድ፡ "ብሕቡእ ዝሰርሑ" ዝበሉዎም 17 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ፡ ካብ ሃገራ ከም እተውጽእ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ብወገኑ፡ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ሰብ መዚ ስለያ ብመሰረት ዝተዋህቦ ሓበሬታ፡ ኣርባዕተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ከም ዝሰጎገ ኣፍሊጡ።

"ምንቅስቓሶም ምስ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ዲፕሎማሲያዊ ኣካይዳ ዘይቃዶ ስለ ዝኾነ" ንኽወጽኡ መምርሒ ተዋሂቡዎም ኣሎ፡ ኢሉ።

ሰብ መዚ ቼክ ብተመሳሳሊ፡ ምኽትል ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ፕራግ ከም ዝተሰጎገ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም።

"ምስ መሓዙትና ብምዃን፡ ህላወ ስለያ ሩስያ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ነጕድሎ ኣለና" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ፖላንድ ብረቡዕ፡ ብስለላ ጠርጢረዮም ንዝበለቶም 45 ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ክወጽኡ ገይራ እያ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ቡልጋሪያ፡ ሊትወንያ፡ ላቲቪያን ኢስቶኒያን፡ "ንውሁብ ዲፕሎማሲያዊ ኩነታቶም" ኣብ ዝጻባእ ምንቅስቓስ ረኺብናዮም ንዝበላኦም 20 ሰራሕተኛታት ኤምባሲያ ሩስያ ከም ዘባረራ ይዝከር።

ሩስያ ንከምዚኦም ዝበሉ ስጉምታት ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ናይ ምሃብ ዝንባለ ዘለዋ ኮይኑ፡ ሎሚ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኢስቶኒያ፡ ላቲቪያን ሊትወንያን ካብ ሃገራ ከም ዝወጽኡ ሓቢራ።