'ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምሉእ ምስልን ኩነታትን ዝጎሰየ'ዩ' - ቤትጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ

ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ነቲ ብኣምነስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ኣመልኪቱ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ጸብጻብ ጉድለታት ከምዘለዎ እኳ እንተገለጸ ሓይልታት ትግራይ ኮነ ኢልካ ንሲቪላውያን ዕላማ ምግባር ሸለል ዝብሎ ጉዳይ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓምለ 2013 (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣትሒዙ ተቖፃፂረሞ ኣብ ዝነበረ ከባቢታት ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ዝኽእልን ገበናት ምፍጻሞም ዘመሳኽሩ መረዳእታ ብብዝሒ ይወፅእ ምህላው ብምግላፅ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ገበናት ኵናት ዝዳረግ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ክብል ምኽሳሱ ይፍለጥ።

እቲ ብመገዲ ቤትጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብሓይልታት ትግራይ ተፈፂሙ ብዝተብሃለ ተግባር "ከምዝሓዘነ" ብምግላፅ፡ ብመገዱ መርመራ ከምዝገብርን ተቓለስቱ ኮነ ኢሎም ንሲቪል ዕላማ ዝገበርሉ መርትዖ እንተረኺቡ፡ "መንግስቲ ትግራይ ነቶም ፈጸምቲ ናብ ሕጊ ከቕርቦም" ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ ኣምነስቲ ንሓይልታት ትግራይ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሎም ብምባል ብገበናት ኵናት ንምኽሳስ፡ "ሙሉእ ምስልን ኩነታትን ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ግጉይ ፀብፃብ" ሒዙ ከምዝወፅአ ብምግላጽ ተቓውሞኡ ገሊፁ።

"ሓይልታት ትግራይ ከምቲ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ንምፍፃም ኣይኮኑን ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ወፊሮም" ብምባል ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ኣብ ሲቪላውያን ምፍጻም ተልእኾ ናይ ሓይልታት ትግራይ ኣይኮነን ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ፈጺሞምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ክሲ ጭብጢ ዘይብሉ ብምባል ክነጽግ ጸኒሑ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቶም ኣብ ትግራይ ግህሰትን ቅትለትን ፈፂሞም ንዝበሃሉ ኣባላት ሰራዊቱ ኣጻርዩ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ምዃኑ ሓቢሩ ኔሩ።

መንግስቲ ፌደራልን ሰብመዚ ክልል ኣምሓራን ኣቐዲሞም ንህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ጻውዒት ብዝሓዝዎ መሳርሒ ኩሉ ንሓይልታት ትግራይ ክቃለሱ ብወግዒ ፃውዒት ከምዘቕረቡ ብምጥቃስ እዚ፡ ዘይዓጠቑ ሲቪላውያን ምስ ሓይልታት ትግራይ ክገጥሙ ብምግባር ተቓላዕቲ ክኾኑ ጌሮም እዮም ክብል መግለጺ ቤትጽሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ከሲሱ።

እቶም ብሓይልታት ትግራይ ተፈፂሞም ዝበሃሉ ኩሎም ክስታት ድማ ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩ ፀዊዑ።

ኣምነስቲ ኣብቲ ብረቡዕ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፋስ መውጫ፣ ጭናን ቆቦን ንደቂኣንስዮ ኣገዲዶም ዓሚፆም፣ ንብረት ውልቅን መንግስትን ትካላት ጥዕናን ዘሚቶም ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣካላዊ መትቃዕትን ዕጡቓት ንዘይኾኑ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ከሲሱ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ'ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንፋስ መውጫ ኣብ ትብሃል ከተማ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጸታዊ ዓመጽ፣ ስርቅን ኣካላዊ መጥቃዕትን ከም ዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ ነይሩ።

ቅድሚ 15 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ኵናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ልዑል ሰብኣውን ንዋታውን ቀውሲ ኣኸቲሉ'ዩ።

ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፉ ሰራዊት ፈደራል: ሓይልታት ኣምሓራ: ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ህወሓትን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።