እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የመን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኮኒኑ
ኣብ ሰሜን ምዕራብ የመን ማእኸል መዋፈሪ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝኾነት ሰኣዳ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሓደ ቤት ማሰእርቲ ብዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ልዕሊ 70 ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም ሕቡራት ሃገራት ኮኒንዎ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እቲ እናተጋደደ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ደው ክብል ኣለዎ” ኢሉ። እቲ ኣንጻር ዕጥቛት ሑቲ ዝቃለስ ዘሎ ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ሓባር ሰራዊት ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ‘ኣይፈጸምኩዎን’ ኢሉ።
እቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ኣብ መግለጺኡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ዝተፈጸመሉ ቦታ ካብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ናጻ ክኾኑ ኣለዎም ተባሂሉ ምስ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝተብጽሓሎም ከባቢታት ሓደ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ ብቀይሕ መስቀል ሪፖርት ከምዘይተገበረሉ ኣፍሊጡ።
ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ክዋግኡ ጸኒሖም ኣለዉ። ከም ሳዔቤኑ ከኣ ኣስታት 10 ሽሕ ህጻናት ሓዊሱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰለማውያን ሰባት ተቐቲሎምን ጉድኣት ኣካል ኮይኖምን እዮም።
እቲ ኵናት ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ዘመዛበሎም ኮይኑ ኣብዝሓ ህዝቢ የመን ኣብ ድርኩኺት ጥምየት ይርከብ።
ድሕሪ እቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ኣስከሬን ሰባት ካብ ፍርስራስ ህንጻታት የውጽኡ ከምዘለዉ ዝተገለጸ ኮይኑ ዘይሞቱ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድላት ግን ተስፋ ዘቑርጽ ከምዝኾነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማእኸላይ ምብራቕ ኣና ፎስተር ገሊጻ። ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ብልክዕ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብውሕዱ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ዝሓበረ ኮይኑ ቁጽሪ መወትቲ ክዛይድ ከምዝኽእል ግን ኣፍሊጡ።
ብዕጡቓት ሑቲ ዝምእዘን መደበር ቴሌቭዥን፡ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ፍርስራሳት ብኣእዳዎም እናጽረዩን ዝቖሰሉ ሰባት እናልዓሉን ዘርኢ ስእልታት ኣቃሊሑ። ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሓደ ሆስፒታል ልዕሊ 200 ጉዱኣት ከምዝተቐበለ ሓቢሩ።
“ኣብቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብዙሕ ኣስከሬናት ኣለዉ፤ ብዙሓት ሃለዋቶም ዘይተረኸቡ ሰባት ኣለዉ። ብንጹር ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ነገር የለን። እዚ መስካኽሒ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይመስል” ክብል ሓላፊ ዶብ ኣልቦ ሓካይም የመን ኣሕመድ ማሐት ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።
ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ጎንጺ ተጋዲዱ ምቕጻሉ ከምዘሻቐሊ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጥቛት ሑቲ ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሁደይዳ ኣብ ናይ ቴለተኮሙኒኬሽን መሰረት ልምዓት ብዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሰለስተ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑት ከምዝሞቱ ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ ኣፍሊጡ።
ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎት ተቛሪጹ። መራኸቢ ሓፋሽ ሑቲ: እቲ ምቁራጽብሰንኪ እቲ ኣብ ቴሌኮሙኒኬሽን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ከምዝኾነ ጠቒሱ ነቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ተሓታቲ ገይርዎ።
መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ከምዝበሎ እቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ኣብ ሁደይዳ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ። ዕጥቛት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ድሮናትን ሚሳኤልን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም እቲ ናይ ሓባር ሰራዊት መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣጽዒቑ ይርከብ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢማሬት ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ከምዝኾነ ዝተዘርበሉ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዝከር።