እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ‘ዒላ ገሃነም-እሳት’ የመን እንታይ'ዩ ተረኺቡ?
ሓደ ጉጅለ ዳህሰስቲ ኦማን፡ ናብቲ “ዒላ ገሃነም-እሳት” ምዃኑ ዝእመን ኣብ ምድረበዳ የመን ዝርከብ ሰፊሕ ጉድጓድ ብምእታው ፈቲሾምዎ ኣለው። 112 ሜተር ዕምቆት ዘለዎ ዒላ ባርሃውት፡ ብነበርቲ እቲ ከባቢ ንዘመናት ከይተደፈረ እዩ ጸኒሑ። ሰፈር ናይ ‘ጂኒ’ ወይ መናፍስቲ ምዃኑ ድማ ይኣምኑ።