መድሓኒት ዝተላመዱ ተላገብቲ ሕማማት ሚልዮናት ይቐትሉ ኣለዉ- መጽናዕቲ

ኣብ 2019 ጥራይ ልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ሰባት ብመድሃኒት ዝተላመዱ ብባክትርያ ዝመሓላለፉ ተላገብቲ ሕማማት ከምዝሞቱ ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እዚ ድማ፡ ዓመታዊ ሕማም ዓሶ ወይ ድማ ብኤችኣይቪ ኤድስ ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ እዩ።

ድኻ ሃገራት ነዞም መድሃኒት ዝተላመዱ ሕማማት ብብዝሒ ተቓላዕቲ እንተኾኑ'ኳ፡ እዞም ብባክተርያ ዝመሓላለፉ ሕማመት ንኹሉ ዓዲ ኣስጋእቲ እዮም ኢሉ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ።

ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕማማት ህጹጽ ትኹረት (ኢንቨስትመንት) ምግባር ከምዘድሊ ዝገልጽ ውጽኢት እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ሕዚ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ መድሃኒታት ብልዑል ብልሓትን ጥበብን ምጥቃም ከምዘድሊ'ውን ሓቢሩ።

መከላኸሊ ባክተርያ መድሓኒት ኣብዚሕካ ምጥቃም ሕማማት ናይ ምክልኻል ኮነ ናይ ምፍዋስ ዓቕሞም እናጎደለ ከምዝመጽእ'ውን ወሲኹ ኣሪዲኡ።

እቲ ጸብጻብ እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ብዙሓት ሰባት ቅድሚ ሕዚ ኣዝዮም ብዝፍለጡን ቀለልቲ ዝበሃሉን ተላገብቲ ሕማማት ህይወቶም እናሓለፈ እንትኸውን፡ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቶም ሕማማት ነቲ መድሓኒት ተላሚዶም ምጽንሖም እዩ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ዓለምና ካብ ለበዳ ኮቪድ ምስ ወጽአት ሰባት በቶም መድሓኒታት ዝተላመዱ ሕማማት ከምዝጥቅዑን ስግኣታት ክኾኑ ከምዝኽእሉን ሰብ ሞያ ዓዲ እንግሊዝ ይዛረቡ።

እዚ ላንሴት ዝተብሃለ ትካል ኣብ 204 ሃገራት ብዝኣከቦ ሓበሬታ እዩ ነቲ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነዚ ውጽኢት ዕላዊ ገይሩ።

በቲ መጽናዕቲ መሰረት ኣብ 2019 ጥራይ ክሳብ 5 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝሞቱ ኮይኖም፡ ካብ መንጎኦም ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት መድሃኒት ብዝተላመዱ ሕማማት እዩ ህይወቶም ሓሊፉ።

በዚ ዓመት ኤችአይቪ ኤድስ ን860 ሺሕ ሰባት ህይወት ምስኣን ምኽንያት እንትኸውን፡ ዓሶ ድማ 640 ሺሕ ሰባት ቀቲሉ ይብል።

ካብቶም ቀንዲ ብኸምዚ ዓይነት ሰባት ዝቐትሉ ሕማማት፡ ሕማም ሰዓልን ረኽሲ ደምን ይርከቦም።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ብከምዚ ዓይነት ሕማማት ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ሰባት፤ እቶም ዝበዝሑ ህጻናት እዮም።

ካብቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን እዩ።

ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ዓድታትን ኣብ ድኻ ሃገራት ደቡባዊ ኤስያ ካብ 100 ሺሕ ሰባት 24 በዚ ዓይነት ሕማማት ህይወቶም ከምዝሓልፍ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ግና እቲ ቁጽሪ፡ ናብ 13 ከምዝወርድ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።