ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት ንካልኣይ ግዘ ሚሳይል ተኵሳ

ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልትታት ካልኣይ ሚሳይል ተኲሳ። ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልትታት 'ሃይፐርሶኒክ' ሚሳይል ምትኳሳ ዝፍለጥ ኮይኑ ሕጂ ከኣ ባሊስቲካዊ ምዃኑ ዝጥርጠር ሚሳይል ተኲሳ።

ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ እቲ ሚሳይል ሎሚ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 07:27 ከምዝተወንጨፈ ገሊፃ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ብወገኑ፡ ሰሜን ኮርያ "ባለስቲክ ሚሳይል ዝመስል ነገር" ወንጪፋ ኢሉ።

ሽድሽተ ሃገራት ዓለም፡ ሰሜን ኮርያ "ካብዚ ዘይህዱእ (ተኣፋፊ) ተግባራ" ክትቁጠብ ምፅወዐን ስዒቡ እያ፡ እታ ሃገር ሰሙን ኣብ ዘይመልእ፡ ንካልኣይ ግዘ ወንጪፋ ዘላ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ፡ "ሰራዊትና፡ ብሰሜን ኮርያ ካብ መሬት ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ ዝተወንጨፈ ባለስቲክ ሚሳይል ከምዝኾነ ዝጥርጠር ነገር ከሺፉ ኣሎ" ብምባል፡ ሰብመዚ ድሕንነት ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ብምዃን ዓሚቕ ምርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊፁ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ወሳኒ ኣኼባ፡ ኣብ 2022 ምክልኻል እታ ሃገር ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ገሊፁ ኔሩ፤ እዚ ሓድሽ ምውንጫፍ ሚሳይል ድማ ንቃል እቲ መራሒ ብተግባር ዘረጋግፅ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ፈረንሳ፣ ኣየርላንድ፣ ጃፓን፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣልባንያን፡ ነቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘካየደቶ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል ብምኹናን፡ ሓባራዊ መግለፂ ኣውፂአን እየን።

ልእኽቲ ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ፡ "እዞም ተግባራት ንህድኣት እቲ ዞባ ስግኣት'ዮም" ክትብል ንተግባር ሰሜን ኮርያ ኮኒና።

ሰሜንኮርያ ካብ ዘናውፅ ተግባራታ ክትቁጠብ ድማ እቲ ልፍንቲ ፀዊዑ።

ነቲ ኣብ 2021 ኣፅዋራታ ናይ ምምዕባል መደባት ትቕፅሎ ዘላ ሰሜን ኮርያ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ሓድሽ 'ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል' ዝበልኦን ኣብ ባቡር ዝገጥም ባሊስቲካዊ ሚሳይል ከምኡ'ውን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ክሩዝ ሚሳይል ፈተነታት ኣካይዳ እያ።

ሃይፐርሶኒክ ሚሳይል ካብቶም ዝተለመዱ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ኮይኑ ብስርዓታት መከላኸሊ ሚሳይል ንክብርዕን ዘጸገም እዩ።

ባሊስቲካዊ ሚሳይል ካብ ክሩዝ ሚሳይል ንላዕሊ ብዙሕ ብርቱዕ ፅዕነት ክሽከም ስለዝኽእል፡ ነዊሕ ስለዝጓዓዝን ቅልጡፍ ብምዃኑን ዝያዳ ኣስጋኢ ተገይሩ ይውሰድ።

ኣብዚ እዋን ፒዮንግያንግ ብሰንኪ ዕፅዋታት ኮሮናቫይረስ ብሕፅረት ምግቢ ኣብ ትሳቐየሉን ቁጠብኣ ኣዝዩ ኣብ ዝማህመነሉን እዋን ኮይና፡ ሓደሽቲ ፈተነታት ምውንጫፍ ሚሳይል ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይበለትን።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2022፡ ንካልኣይ ግዘ እያ ፈተነ ምውንጫፍ ሚሳይል እተካይድ ዘላ።

መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ "እታ ሃገር ናይ ሞትን ሕየትን ፈተናታት" ከምዘጋጠምዋ ብምሕባር፡ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን ዕብየትን ኣብዚ ዓመት ካብ ዝስርሑ ቀንዲ ሸቶታት ከምዝኾኑ ገሊፁ'ዩ።

ቅድም ክብል ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ህፃናትን ሽማግለታትን ሰሜንኮርያ ስግኣት ጥሜት ኣንፀላልይዎም ከምዘሎ ኣጠንቂቖም ኔሮም።

ዋላ'ኳ ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ምፍራይ ኒኩለር ክተቋርፅ ብተደጋጋሚ እንተፀውዐት፡ ርክብ ፒዮንግያንግን ምምሕዳር ባይደንን ግና ብውጥረት ዝተሰነየ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።