እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ደቡብ ኮርያ ሰሊሙ ዝነበረ ሰሜን ኮርያዊ ናብ ሃገሩ ምህዳሙ ተሓቢሩ
ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝጸንሐ ሰሜን ኮርያዊ ብቐዳም ናብ ሃገሩ ምህዳሙ ከምዝጥርጥር ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ገሊጹ።
እቲ ኣብ 2020 ነቲ ኣሻዅ ናይ ስልኪ ሓጹር ዝጠሓሰ ሰብኣይ ናይ ጂምናስቲክ ክኢላ ምዃኑ ሰብመዚ ይኣምኑ።
ንምንታይ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ክደግሞ ከምዝመረጸን ብህይወት ብዛዕባ ምህላውን ኣይፍለጥን።
ሰሜን ኮርያ ለብዒ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዶባት ንዝተርኣየ ሰብ ኣብኡ እንከሎ ተኲስካ ምቕታል ዝብል ፖሊሲ ኣተኣታትያ እያ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝነብሩ እኳ እንተኾኑ፤ በቲ ንኽልቲአን ሃገራት ዘዳውብ ካብ ሰራዊት ነጻ ዝኾነ ዞባ ዝሰግር ሰብ ሳሕቲ እዩ ዝርአ። መብዛሕትኦም ብቻይና ኣቢሎም እዮም ዝሰግሩ።
ካብ ደቡብ ኮርያ ምህዳም'ውን ኣዝዩ ሳሕቲ ዝርአ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ሒደት በጻብዕ ዝቑጸር ኣጋጣሚታት እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።
ሰብ በቲ ወተሃደራዊ ዶብ ይንቀሳቐስ ምንባሩ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ካብ ናይ ጽኑዕ ክትትል ካሜራታት ድሕሪ ምርካቡ ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ኣብ ሓድሽ ዓመት መዓልቲ ናብቲ ከባቢ ተላኢኾም።
ነቲ ሰብኣይ ክረኽብዎ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝሰገረ ግና ከረጋግጹ ክኢሎም።
ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ነቲ ካብ ናይ ድሕነት ካሜራታት ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብምጥቃስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብ 2020 በቲ መገዲ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኮርያ ሰጊሩ ዝነበረ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ጽሬት ስራሕ ተዋፊሩ ምንባሩ ማእከን ዜና ዮንሃፕ ጸብጺቡ።
ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ብሰንበት ካብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ሶውል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ዶብ ክሰግር ዝተርኣየ ሰብኣይ ብህይወት ብዛዕባ ምህላው ከምዘይፈልጡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰሜን ኮርያ ከምኡ ንዝገብሩ ሰባት ከይትቐትል ምሕጽንታ ከምዝለኣኹ ሓቢሮም።
እቲ መልእኽቲ ከም ዝበጽሓ ዝገለጸት ሰሜን ኮርያ ግና ብዛዕባ ዕጫ እቲ ሰብኣይን ንምንታይ ከምዝተመለሰን ኣይነጸረትን። ከመይ ጌሩ ከይተለለየ ነቲ ዶብ ከምዝሰገሮ ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዘሎ ዶብ ፈንጅታት ዝተቐብሮን ብናይ ኤለክትሪክን ኣሻዅን ስልኪ ዝተሓጽረን ኮይኑ ብናይ ክትትል ካሜራን ዕጡቓት ሓለውቲ ዶብን 24 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክትትል ይግበረሉ።
ሰብመዚ ምክልኻል ሶውል ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ድሕሪ ዝተርኣዩ ተመሳሰልቲ ጥሕሰታት ንስርዓተ ምክልኻል እቲ ዶብ ምሉእ መርመራን ምትዕርራይን ንምግባር ቃል ኣትዮም ነይሮም።