ብቑልዕነቱ ተሰሪቑ ድሕሪ 33 ዓመታት ንቑሸቱ ብእተዘኻክር ስእሉ ምስ ኣዲኡ ዝተራኸበ ቻይናዊ መንእሰይ

ቻይናዊ ሊ ጂንግዌ ካብ ቤተሰቡ ተጨውዩ ካብ ዝውሰድ ልዕሊ 30 ዓመታት ተቖጺሮም’ዮም።

ነታ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ኣብ ሕልንኡ ተሳኢላ ዝተረፈት ቁሸት ብካርታ ስኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስዘርግሓ ድማ ምስታ ዝወለደቶ ኣዲኡ ክራኸብ በቒዑ’ሎ።

ንሱ ተጨውዩ (ተሰሪቑ) ክስደድ ከሎ ገና ቆልዓ 4 ዓመት እዩ ነይሩ። ካብ ዝነብረላ ቁሸት ናብ ርሑቕ ተወሲዱ ድማ ናብ ኣሰጋገርቲ ህጻናት ተሸይጡ።

ብ24 ታሕሳስ 2021 ንሓንቲ ብኢዱ ዝሰኣላ (ዝቐብኣ) ካርታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቪድዮ ምስዘርግሓ ከኣ፡ ፖሊስ እታ ቅብኣ ምስ ሓንቲ ንኢሽተይ ቁሸትን ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ወዳ ዝጠፍኣ ኣደን ትመሳሰል ኮይና ረኺብዋ።

ናይ ‘ዲኤንኤ’ ምርመራ ምስተገበረ ኣደን ወድን ከምዝኾኑ ስለዝተረጋገጸ ከኣ ብቐዳም ኣብ ግዝኣት ዩናን ተራኺቦም።

“ናይ 33 ዓመታት ትጽቢት፤ መወዳእታ ዘይብሎም ናይ ናፍቖት እዋናት. . .ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሕሊና ተቐሪጻ ዝተረፈት ቁሸት ብምዝካር ብኢድ ዝተቐብአት ካርታ . . “ ክብል ቅድሚ ዳግም ምስ ኣዲኡ ምርኻቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ዶዪን’ [ኣብ ቻይና ብስፍሓት ዝፍለጥ ምስ ቲክቶክ ዝመሳሰል ማሕበራዊ ሚድያ] ጽሒፉ።

“ምስ ስድራይ ንክራኸብ ንዝሓገዝኩምኒ ኩልኹም የመስግነኩም” ክብል’ውን ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

ሊ ብ1989 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ካብ ጥቓ እታ ኣብ ግዝኣት ዩናን እትርከብ ደቡብ-ምዕራባዊት ከተማ ዛሆቶንግ ተሰሪቑ’ዩ ናብቶም ልዕሊ 1800 ኪሎሜትሮ ርሒቖም ዝርከቡ ስድራ ተሸይጡ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ግዝኣት ግዋንግዶንግ ደቡባዊ ቻይና ዝነብር ኮይኑ፡ ብዛዕባ ትኽክለኛ መንነቱን ወለዱን ንምፍላጥ ነቶም ዘዕበይዎ ስድራ ብምሕታት ኮነ ናይ ዲኤንኤ ምጽራያት ንምክያድ ዝገበሮ ጻዕርታት ክሰምረሉ ብዘይምኽኣሉ ኣብ መወዳእታ ብኢንተርኔት ክፍትን ወሲኑ።

“ገዝኡ ንምርካብ ዝእልሽ ዘሎ ቆልዓ እየ። ገና ቆልዓ 4 ዓመት እናሃለኹ ብ1989 ኣቢሉ ይኸውን ብሓደ በራሕ ጎረቤትና ናብ ሄናን ተወሲደ” ክብል ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ምስዘርግሐ ኣሽሓት ሰባት ነቲ መልእኽቱ ናብ ካልኦት ኣባጺሖምዎ [‘ሼር’ ገይሮምሉ]።

“እዚኣ ካብቲ ኣብ ሕሊናይ ዝተቐረጸ ተዘክሮ ዝሰኣልክዋ ንገዛይ እተርእይ ካርታ እያ” ይብል ኣብ ኢዱ ነታ ብኢዱ ዝሰኣላ ቁሸት እተርእይ ቅብኣ ሒዙ። ቤት ትምህርቲ ዝመስል ህንጻ፣ ናይ ዓርቃይ ተኽልታት፣ ራህያን ካልእን ኣብታ ቅብኣ ይረኣይ።

ኣብ ቻይና በቶም ዉሉድ ከም ዓብዪ ጸጋ ዝቖጽሩ ማሕበረሰብ፡ ህጻናት ሰሪቕካ ምዕባይ ዝተለመደ ተግባር ከምዝኾነ ይዝረብ።

ኣብ ዕድመ ቁልዕነቶም ተሰሪቖም ናብ ካልእ ስድራ ዝሽየጡ ህጻናት ብዙሓት’ዮም። ኣብ 2015 ኣ.ኣ ዝነበረ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ በቢዓመቱ 20 ሽሕ ህጻናት ይጭወዩ ነይሮም።

ብዙሓት ንነዊሕ ዓመታት ምስ ስድርኦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ 2021 ክራኸቡ ተራእዮም’ዮም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ጉዎ ጋንግታንግ ምስቲ ቅድሚ 24 ዓመታት ዝተጨወየ ወዱ ከምዝተራኸበ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።