ካብ ሞት ንሕንጢጥ ዝተረፈት ቱርኳዊት ህጻን

ኣብ ቱርኪ ኣብ ሓንቲ ጥቓ ደሴት እትርከብ ከተማ 7.0 ማግኒትዩድ ምንቅጥቃጥ መርየት ስለዘጋጠመ ዛጊድ ልዕሊ 80 ሰባት ሞይቶም። ሓንቲ ጓል ሰለስተ ዓመት ህጻን ግን ን65 ሰዓታት ተቐርቂራ ድሕሪ ምጽናሕ ብጉጅለ መድሕን ክትድሕን ኪኢላ።