ኣብ ገማግም ባሕሪ እስራኤል ናይ 'ሕያዋይ ጓሳ' ምስሊ ዘለዎ ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ እቲ ኣብ ገማግም ሜዲተራነያን እስራኤል እተረኽበ ወርቂ ቀለበት፡ ክርስትያን ንምስሊ እየሱስ ንምምልካት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣብ ዘበነ ሮማ ዝነበረ ወርቂ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ንጥንታውነት ነገራት ብሓላፍነት ዝምእዝን በዓል ስልጣን እስራኤል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ቀለቤት ምስቲ ኣብ መንኵቡ በጊዕ ተሰኪሙ ዝረአ ብሓምላይ እተቐርጸ ምስሊ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ ንርእሱ፡ "ሕያዋይ ጓሳ" ክብል ገሊጽዋ ኣሎ።
እቲ ቀለቤት፡ ኣብ ጥቓ ጥንታዊት ወደብ ቂሳርያ ኣብ ክልተ መራኽብ ምስ እተረኽበ ሓያሎ ጥንታዊ ርኽበታት እዩ ተረኺቡ።
እቲ ካልእ ዑቑር ሃብቲ ከኣ፡ ኣብ መፋርቕ 3ይ ዘመን ዝነበረ ብኣማእታት ዝቝጸር ሰልዲ ብሩርን ብሮንዞን ከምኡ'ውን ኣብ መጀመርታ መበል 14 ዘመን ኣብ ዘበነ ማሙሉክ ዝነበረ ሰልዲ ብሩር ዘጠቓልል እዩ ።
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣብቲ ሮማውያን ዝነብሩሉ ዝነበሩ እዋን ናይ ንስሪ ምስልን ኣብ ኮሜዲያዊ ትያትር ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ማስኬራን ንርኹሳት መናፍስቲ የወግድ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ዝነበረ ናይ ኣስራዚ ቁልፍን ቀይሕ እምኒ ዘወቀቦ ቀለቤት ረኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, ISRAEL ANTIQUITIES AUTHORITY
ሰበ ስልጣን ጥንታዊ ርኽበታት እስራኤል እቲ ኣስከሬን እተን ዝዓነዋ መራኽብ ከሳብ ኣርባዕተ ሜትሮ ኣብ ዝዕምቆቱ ገምገም ባሕሪ ከምእተረኽባ ሓቢሮም።
ኣባል ተመራማሪ ስነ-ባሕሪ እስራኤል ጃኮብ ሸርቪት፡ "እተን መራኽብ ኣብቲ ከባቢ መልሕቕ ደርብየን ዝነበራ ግን ከኣ ብማዕበል ተወቒዐን ተገፊዐን ናብቲ ቦታ ዝመጽኣ ክኾና ይኽእላ እየን" ኢሉ።
ቂሳርያ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ናይ ክርስትያናት ማሕበረሰብ እያ ነይራ። ብመሰረት መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ ንቆርኔሌዎስ ዜጥመቐሉ ቦታ እዩ።
ሚስተር ሻርቪት "ሓደ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሰብ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ እዚ እዩ" ኢሉ።
"ካብኡ ተበጊሱ ከኣ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ መላእ ዓለም ከስፋሕፋሕ ጀመረ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







