ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊቀ-ጳጳሳት ዴዝሞንድ ቱቱ ኣብ 90 ዓመቶም ዓሪፎም

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊቀ-ጳጳሳት ዴስሞንድ ቱቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊቀ-ጳጳሳት ዴስሞንድ ቱቱ

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊቀ-ጳጳሳት ዴስሞንድ ቱቱ ከምዝዓረፉ ተገሊጹ።

ወዲ 90 ዓመት ዴዝሞንድ ቱቱ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ብውሑዳን ጸዓዱ ዝተዓብለለ ስርዓት ኣፓርታይድ ከብቅዕ እጃም ዝነበሮም’ዮም። በዚ ድማ ንሽልማት ኖቤል በቒዖም።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሞት እቶም ሊቀ-ጳጳሳት ወግዓዊ ገይሩ።

“ካልእ ናይ ሓዘን ምዕራፍ ኣብ ሃገርና” ክብል ንሞት ዴዝሞንድ ቱቱ ዘረጋገጸ ፕረዚደንት ራማፎዛ፡ ሓደ ካብቶም ናጽነታ ዝተኣወጀ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ምውራስ ዘይርሳዕ እጃም ዝነበሮም ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝነበሩ ጠቒሱ።

ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ብደረጃ ዓለም ካብ ሞንጎ ዝለዓለ ዝና ዝነበሮም ፍሉጣት ሰባት ሓደ ነይሮም።

ምኽንያት ሞቶምን መዓዝ ከምዝዓረፉን ብዝምልከት ግን ዛጊድ ዝተወሃበ ዝርዝር መግለጺ የለን።

ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ስርዓት ኣፓርታይድ ዝነበረ ወዲ 85 ዓመት ደ ክለርክ ካብ ዝመውት ድሕሪ ሰሙናት'ዮም ዴዝሞንድ ቱቱ ዓሪፎም ዘለዉ።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ተምሳሌታዊ ዝኾኑ ሃይማኖታዊ መራሒ፣ ተቓላሳይ ጸረ-ኣፓርታይድን ዓለምለኻዊ ተቓላሲ ሰብኣዊ መሰላትን ነይሮም" ክብል ብዛዕባኦም ተዛሪቡ።

ወሲኾም ድማ "መወዳድርቲ ዘይርከቦም ሃርበኛ፣ እምነት ብተግባር እንተዘይተደጊፉ ዋጋ የብሉን ንዝብል መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ዝሃቡ" ክብሉ ገሊጾምዎም።

እቶም ሊቀ-ጳጳሳት ፍልይ ዝበለ ልዕልና ኣእምሮ ከምዝነበሮም ዘዘኻኸረ እቲ ፕረዚደንት፡ "ነቲ ቃልሲ ዝተኣመኑን ንሓይልታት ኣፓርታይድ ዘይተስዓሩን፤ ብግፍዓዊ ኣገዛዝኣ ኣፓርታይድ ኢ-ፍትሓውነት፣ ወጻዓን በደልን ንዝበጽሖም ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ንዝተጨቆኑን ዝተገፍዑን እውን ዝርህርሁ ነይሮም" ኢሉ።