እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምዕራባውያን፡ ንምትእትታው ሩስያውያን ዑሱባት ኣብ ማሊ ኰኒነን
ፈረንሳ፡ ኣብ ኤውሮጳን ካናዳን ዝርከባ 15 መሻርኽታን ንምትእትታው ሩስያውያን ሰራዊት ናብ ማሊ ኰኒነንኦ ኣለዋ።
ነቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ዝግበር ዘሎ መኸተን ጸጥታዊ ኵነታት ብዝያዳ ከጋድዶን ከበላሽዎ ከም ዝኽእል ገሊጸን።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ መንግስቲ ሩስያ ካብ ጉጅለ ዋግነር፡ ብገንዘብ እተዓስቡ ሰራዊት ምውፋሩን ናይ ንብረት ሓገዝ ብምግባሩ እየን ዝነቕፈኦን ዝኸሰኦን።
ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ንዕሱባት ሰራዊት ዘዋፍር ዘሎ ጉጀለ ዋግነር ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ይፍጽም ብምህላው እገዳ ገይርሉ ኣሎ።
ሩስያ ግን ምስቲ ናይ ውልቂ ወተሃደራዊ ኩባንያ ምንም ዓይነት መንግስታዊ ርክባት ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።
እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ምስጢራዊ ጉጅለን፡ ብ2014 ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣብ ዝነበረ ግጭት ነቶም ክንጸሉ ዝደልዩ ሩስያውያን ጕጅለ ኣብ ዝድግፈሉ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ንፈለማ ግዜ ተለልዩ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ከኣ፡ ኣብ ሶርያ፡ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡ ሊብያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ሃገራት ይሳተፍ ኣሎ ።
ምዕራባውያን ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ ህላወን ተሳትፎን ጉጅለ ዋግነር ነቲ ኣብ ማሊ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘጋድዶን ነቲ ንሰላምን ዕርቅን ዝግበር ስምምዕ ከኣ ከም ዘሰናኽሎን ብምትሕስሳብ ኣጠንቂቐን ።
ብዘይካዚ፡ ሰበ ስልጣን ማሊ: ነቲ "ገንዘብ ህዝቢ" ኣብ ክንዲ ንዕሱባት ዕጡቓት ዝኸፍሉሉ፡ ንሰራዊት እታ ሃገር ንምድልዳል ዘይምውዓሎም ብዙሕ ከምዘተሓሳስቦን እቲ ዝገበርዎ ምርጫ "ኣዝዩ ዘጣዕስ" ምዃኑን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ገሊጸን።
እቲ መግለጺ፡ ብቤልጅዩም፡ ካናዳ፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ዴንማርክ፡ ኢስቶኒያ፡ ፈረንሳ ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ሊትዋንያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ሽወደንን ከምኡ "ውን ዓዲ-እንግሊዝ ብሓባር ዘውጽአኦ መግለጺ እዩ ።
ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ፈረንሳ - እታ ቀደም ንማሊ እትገዝኣ ዝነበረት ሃገር ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ዝነበረ መደበራ ንገለ ክፋል እቲ ዝሰፍሐ ሰራዊታ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ካብ ዝገብሮ ዝነበረ ውግእ ስሒባቶ ኣላ።ማሊ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ርእይቶ ኣይሃበትሉን ።