ቆልዓ ሽዱሽተ ወርሒ ብ60 ዶላር ሸይጣ ዝተባህለት ኣደ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 26 ዓመት ከምዝኾነት ዝንገረላ ኣዶ ንጓላ ናብ መሸጣ ኣቕሪባ ብዝብል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ተጠርጢራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተወት ተገሊጹ።
እታ ላይበራዊት ኣደ ንጓል 6 ወርሒ ሕንጣይ ጓላ ንሓንቲ ዘይትፈልጣ ሰበይቲ ብ60 ዶላር ከም ዝሸጠትላ ዝተገለጸ ኮይኑ በዚ ድማ ክሲ ቀሪቡላ’ሎ።
እታ ክስስቲ ኣደ ጓላ ንኽተዕቢ ተጸጊማ ከም ዝነበረት ዝተሓበረ ኮይኑ ምናልባት’ውን እዚ ጓላ ንኽተሸይጥ ኣገዲድዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እንተኾነ እታ ኣደ ንጓላ ሸይጣ ዝብልን ብፖሊስ ዝቐረበለ ክሲ ዝተቓወመት ኮይና ንጓላ ብገንዘብ ከም ዘይቀየረት ተዛሪባ።
ፖሊስ ዘቕረቦ ናይ ክሲ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ እታ ክስስቲ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ክትኣቱ ዝኸኣለት ኣቦ እታ ቆልዓ ስለ ዝኸሰሳ’ዩ።
እታ ኣዶ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገም ነታ ሕንጣይ ንካልእ ውልቀ ሰብ ኣሕሊፋ ድኣ ሂባ እምበር ከምቲ ዝተባህለ ገንዘብ ተቐቢላ ከም ዘይሸጠታ ንመርመርቲ ፖሊስ ተዛሪባ።
እንተኾነ እቲ እታ ህጻን መንነታ ንዘይተፈለጠ ሰበይቲ ክትወሃብ መገዲ ጸሪጉ’ዩ ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ እታ ኣደ ገንዘብ ከም ዝተቐበለት መስኪሩ’ዩ።
ድልየታት ሕንጣይ ጓላ ኣማሊኣ ንኽተዕቢ ኣብ ጸገም ከም ዝነበረት ዝገለጸት እታ ኣደ ጓላ ንዘይትፈልጣ ሰበይቲ ክትህብ ከም ዝተሰማምዐት ሓቢራ።
ንሳ ከም ዝበለቶ እንተድኣኾይኑ ንፖሊስ ሓበሬታ ሂቡ ዘእሰራ ኣቦ ናይታ ህጻን፡ ጓሉ ንምዕባይ ሓላፍነቱ ብዝግባእ ስለ ዘይተዋጽአ ንብሕታ ጻዕሪ’ኳ ክትገብር እንተጸንሐት መገዲ ህይወት ኣመና ከም ዝኸበዳ ተዛሪባ።
“ንጓለይ ኣይሸጥኩን፣ ኣብ ጸገም እነብር ስለ ዘለኹ ሓብሒባ ከም እትዕብያ ቃል ንዝኣተወትለይ ሰበይተ’የ ሂበያ” ኢላ።
ፖሊስ ብዘካየዶ ምርመራ ኣታ ኣዶ ብዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ከምኡ’ውን እታ ህጻን ንኽትሽየጥ ሓጋዚ ነይሩ ዝተባህለ ሰብ ድማ ብሓጋዛይነቱ ብሕጊ ላይበርያ ክሲ ተመስሪትሎም’ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







