ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኬንታኪ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ልዕሊ 70 ሰባት ሞይቶም

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኣመሪካዊት ግዝኣት ኬንታኪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ሆቦብላ ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ገሊጹ፡፡

እቲ ሆቦብላ ዛጊድ ኣብታ ግዝኣት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝኸፈአ ከምዝኾነ ዝገለጸ በሺር ኣንዲ፡ ቁጽሪ መወትቲ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ክበጽሕ ከምዝኽእል ተዛሪቡ፡፡

ኣብ ከተማ መይፊልድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፋብሪካ ሽምዓ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግመት።

ኣብ ካልኦት ግዝኣታት እውን ብተመሳሳሊ ሓደጋ፡ ብውሑዱ 12 ሰባት ሞይቶም፡፡

ኣብ ግዝኣት ኬንታኪ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ ኣመሓዳሪ በሺር፡ እቲ ሆቦብላ ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት እቲ ዝኸፈአን ብዙሕ ሰብ ዝቐተለን ከምዝኾነ ተዛሪቡ፡፡

‘‘ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ርእየዮ ዝፈልጥ ኣይኮነን፤ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡’’ ኢሉ።

በቲ ህቦብላ ናይ ኤሌክትሪክ ኣዕምዲ ከምዝተሰባበሩን ህንጻታት ከምዝፈራረሱን እውን ተዛሪቡ፡፡

‘ሕማቕ ኩነታት’

ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ኣብ ብዙሓት ከባብታት እታ ግዝኣት ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም፡ እቲ ኣብ ከተማ መይፊልድ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ዘጋጠመ ክስተት ግን ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት ብሰንኪ ህቦብላ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘጋጠመ ዝለዓለ በዝሒ ሞት ክኸውን ከምዝኽእል ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ይገልጽ፡፡

እቲ ህቦብላ እንትጅምር ኣብቲ ፋብሪካ ልዕሊ 100 ሰባት ነይሮም፡፡

ልዕሊ 40 ሰባት ካብቲ ፋብሪካ ብደሓን ከምዝወጹ ዝገለጸ ኣምሓዳሪ በሺር፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ሰባት ክድሕኑ ተስፋ ከምዝገብርን እንተኾነ ‘ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት’ ከምዘሎን ሓቢሩ፡፡

ሰራሕተኛታት ሓደጋ ካልኦት ተወሰኽቲ ሰባት ብህይወት ንምትራፍ ኣብ ፍርስራስ እቲ ፋብሪካ ኣለሻ የካይዱ ኣለዉ፡፡

ስደረኦም ንዝጠፍኡዎምን ዝሞቱዎምን ሰባት ጸሎት ይገብረሎም ከምዘሎ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ "መንግስቲ ፌደራል ዝኽእሎ ሓገዝ ኩሉ ክገብር እዩ" ኢሉ፡፡

ወሲኹ ድማ "ተሓባቢርና ክንሓልፎ ኢና" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ኣብታ ግዝኣት ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ተቛሪጽዎም ኣሎ፡፡