ኤች-ኣይ-ቪ፡ ሕጂ'ውን ኣብ 2021 ዝናፈስ ግጉይ ሓበሬታታት

ሞራ ሞራቻዶሪን

ምንጪ ስእሊ, DOREEN MORAA MORACHA

ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ፖል ቶርን ናብ ገዛ ወለዱ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ከይልከፉ ብምፍራሕ፡ ነቲ ዝሰትየሉን ዝበልዓሉን ኣቑሑት ይጉሕፍዎ ነይሮም። ቶርን፡ ኤች-ኣይ-ቪ ከምዝነበሮ ምስ ፈለጠ፡ ተሓጋጋዚ ሓኪም (ነርስ) ንምዃን ዝወስዶ ዝነበረ ስልጠና ኣቋሪጽዎ።

"ናይ 20ታት ዕድመይ ብፍርሒ'የ ኣሕሊፈዮ" ድማ ይብል።

ሕጂ ግን፡ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ቶርን፡ መዓልታዊ ሓደ ከኒና ካብ ምውሳድን፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ምስ ሓኪሙ ካብ ምርኻብን ወጻኢ ብዛዕባ'ቲ ቫይረስ ብዙሕ ኣይሓስብን'ዩ።

ሕክምናዊ ክንክን ዝረኽቡ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰባት፡ ፍጹም ንቡር ዕምሪ ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ብሰንኪ ድኹም ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝስዕብ ቫይረስ (ኤች-ኣይ-ቪ) ብመሳተዪን መብልዕን ኣቑሑት ክላባዕ ይኽእል'ዩ ዝብል ዝበለየን ዘይቅኑዕን ኣተሓሳስባ'ውን ዳርጋ ጠፊኡ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ግጉይ ሓበሬታታት ሕጂ'ውን ይዝርጋሕ ኣሎ።

'ፈውሲ ኣለዎ'

ኬንያዊት ዶሪን ሞራ ሞራቻ ምስ ኤች-ኣይ-ቪ እያ ተወሊዳ። ኣብ 2005፡ ጓል 13 ዓመት ምስኮነት ድማ'ያ እቲ ቫይረስ ከምዘለዋ ፈሊጣ።

ብመሰረት ኣብ ተለቪዥን ዝራኣየቶ መወዓውዒ ናብ ሓደ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ፡ ንዓኣን እቲ ቫይረስ ዝነበራ ኣዲኣን ከሕውየን ከምዝኽእል ዝዛረብ ፈዋሲ ከይዳ።

"ካብቲ ዝሸጦ ዝነበረ ካብ ቆጽለ-መጽሊ ዝተሰርሐ መስተ ሰቲና፡ ካብ ኤች-ኣይ-ቪ ናጻ ኴንና ኢልና ኣሚንና ተመሊስና" ድማ ትብል።

ነቲ ትወስዶ ዝነበረት ጸረ-ቫይረስ (ኣንቲ-ረትሮቫይራል) መድሃኒት ኣቋሪጻቶ። እቲ መድሃኒት፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ኣካላት ሰብ ከይራባሕ ዝገትእ'ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣካላዊ ናይ ምክልኻል ዓቕማ እናደኸመ ብምኻዱ ብሕማም ቆርበትን ኒሞንያን ተጠቒዓ።

እቲ ኣብ ደማ ዝነበረ መጠን ኤች-ኣይ-ቪ ልዑል ብምዃኑ፡ ዝኾነ ማእከላይ ረኽሲ እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ክቐትላ ከምዝኽእል'ውን ሓኪማ ኣጠንቂቑዋ።

ግቡእ ክንክን እንተዘይተኻይዱሉ፡ ኤች-ኣይ-ቪ፡ ሓደ ኣካል ንዝኾነ ረኽሲታት ክከላኸል ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ሕማም ኤድስ (acquired immune-deficiency syndrome) ክሰጋገር ይኽእል'ዩ።

ድሕሪ'ዚ፡ እቲ ፈዋሲ'የ ብሃላይ፡ "መጠፋፍኢ" ምዃኑ ተነጺሩላ። ንኤች-ኣይ-ቪ ክፍውስ ዝኽእል ክታበት ኮነ ፈውሲ የለን። እንተኾነ ግን፡ ፈውሲ ኣለዎ ዝብል እምነት ምስማዕ ልሙድ'ዩ ይብል፡ ፕረደዚደንት ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ኤድስ ዝተባህለ ማሕበር፡ ዶ/ር ኣዲባ ካማሩልዛማን።

ኣብዚ ቀርባ እዋን፡ ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ዝገልጽ ጸብጻብ ገለ ሰባት ድማ ብዙሕ ተስፋታት ኣሕዲሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲና ሓንቲ ሰብ ብናይ ባዕላ ኣካላዊ ዓቕሚ ካብ ኤች-ኣይ-ቪ ናጻ ከምዝኾነት ተገሊጹ ነይሩ። ብኸመይን ስለምንታይን ዝብሉ ሕቶታት ግን ገና ኣይተመለሱን።

'ኩሉ ሳዕ ከተላብዕ ትኽእል ኢኻ'

ጆይስ መንሳህ፡ ኣብ ጋና'ያ ተወሊዳ፡ ካብቲ ዘጋጠማ ተነጽሎ ንምህዳም ግን ናብ ጀርመን ተሰዲዳ። ብሰንኪ ብዛዕባ ኩነታታ ዘሎ ግጉይ ርዲኢት፡ ዝምድናታታን ስራሓን ከምዝኸሰረት'ያ ትዛረብ።

እቲ ተነጽሎ፡ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰባት ኩሉሳዕ ናብ መጻምድቶም ወይ ደቆም ከሰጋግርዎ ይኽሉ'ዮም ካብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ'ዩ ዝብገስ ትብል።

"ሓደ ሰብ ኤች-ኣይ-ቪ ከምዘለዎ ንኣባል ስድራቤት ወይ መጻምድቲ ምስዝነግር. . . ሰባት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውሕስነት የለን፡ ሓንሳብ እንተ ተታሒዝካ ኣኺሉካ እዩ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣለዎም" ትብል መንሳህ።

"እንተኾነ ግን፡ ንነዊሕ እዋን 'ኣንቲ-ረትሮቫይራል' ዝወሰደ ሰብ፡ ክዕቀን ዝኽእል መጠን መልከፍቲ ኣየመሓላልፍን'ዩ (ዋላ'ኳ እቲ ሰብ ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎን፡ ንምሉእ ዕድሚኡ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ እንተኾነን"።

መንሳህ፡ መድሃኒታ እናወሰደት ኣርባዕተ ቆልዑ ወሊዳ እያ- በቲ ቫይረስ ዝተታሕዘ ኸኣ የብሎምን።

ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ዝርጋሐ ዝዋሃብ ሕክምናዊ ክንክን ካብ ኣደ ናብ ቆልዓ ዝሓልፍ መጠን መልከፍቲ ብፍርቂ ጎዲሉ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጓላ፡ እቲ ቫይረስ ስለዘለዋ ንካልኦት ከይተሕልፍ ብዝብል ፍርሒ፡ ኣብ ጋና ካብ ቤት ምህርቲ ናብ ገዝኣ ክትምለስ ተኣዚዛ ነይራ።

ኢያን ግሪን፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓደ 'ተረንስ ሂጊንስ ትራስት' ዝተባህለ ማሕበር ኮይኑ፡ ምስ ኤች-ኣይ-ቪ ዝነብር ሰብ'ዩ። "ኤች-ኣይ-ቪ ንዘለዎም ሰባት፡ ንዓይ ሓዊሱ፡ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ፡ ነቲ ሕማም ተመሓላለፍ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓካ።

"ንብዙሕ ዓመታት፡ ንካልኦት ሰባት እቲ ቫይረስ ከየመሓላልፈሎም ተሸቑሪረ'የ ኣሕሊፈዮ።

"ንካልኦት ከመሓላልፈሎም ከምዘይክእል ምፍላጠይ፡ ዓቢ ሓርነት'ዩ ተሰሚዑኒ" የብል ግሪን።

'ኤች-ኣይ-ቪ ኣብቂዑ'ዩ'

ዋላ'ኳ ኤች-ኣይ-ቪ ናይ ሞት ፍርዲ እንተዘይኮነን እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ምስ ምሉእ ጥዕንኦም ንቡር ሂወት ክነብሩ ዝኽእሉ እንተኾኑን፡ ናብ ጫፍ ዝኸደ ኣተሓሳስባታት ምህላዉ ከምዘሰክፎም ተሓለቕቲ ይገልጹ።

"ኣብ መዳይ ሕክምናዊ ክንክን ኤች-ኣይ-ቪ ናይ ምክልኻል ኣገባባትን ብዙሕ ምዕባለታት ተራእዮም እዮም። እንተኾነ ግን፡ ኤድስ ኣብቂዑ'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ንናይ ምክልኻል ስራሕ ይኹን ንኤች-ኣይ-ቪ ፈውሲ ኣብ ምርካብ ዝግበር ምርምር ሓጋዚ ኣይኮነን" ይብል ዶ/ር ካማሩልዛማን።

ብመሰረት ኣብ 2020 ዝወጸ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 38 ሚልዮን ሰባት ኤች-ኣይ-ቪ ነይርዎም፡ ኣስታት 700 ሽሕ ድማ ምስ ኤይድስ ብዝተሓሓዝ ሕማማት ሞይቶም (ብሰንኪ ስእነት ሕክምናዊ ክንክን ክኸውን ይኽእል'ዩ)።

ፖል ቶርን ከምዝብሎ፡ መንእሰያት፡ እቲ ሕማም ናይ ዓበይቲ ሰባት ገይሮም'ዮም ዝርእይዎ። ምስኡ ዝሰማማዕ ግሪን ብወገኑ፡ መንእሰያት "ትሑት ደረጃ ንቕሓት" ኣለዎም ይብል።

"ኤች-ኣይ-ቪ ቀደም ዝነበረ ጥራይ ገይሮም'ዮም ዝሓስብዎ"።

'ብኤች-ኣይ-ቪ ዝልከፍ ዓይነት ሰብ ኣይኮንኩን'

ከምቲ መንእሰያት ሕማም ዓበይቲ ገይሮም ዝወስድዎ፡ ብዙሓት ከኣ ንሕደ-ጾታውያን ጥራይ ዝጸሉ ኮይኑ ይስምዖም።

ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ኤች-ኣይ-ቪ ዘለዎም ሰባት ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ኣባል 'ፍሮንት ላይን ኤድስ ('ቅድመ-ግንባር ኤድስ) ዝተባህለ ማሕበር ዝኾነት ክሪስቲን ስተግረሊንግ ከምዝበለቶ፡ እቲ ቫይረስ ነተን ኣብ ናይ ወሊድ ዕድመ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝቐትሉ ጠንቅታት ኣብ ቀዳማይ ይስራዕ።

እንተኾነ ግን፡ ውሑዳት ካብተን ንሳ ዘዘራረበተን ደቂ-ኣንስትዮ'የን ብዛዕባ ዘለወን ሓደጋታት እኹል ፍልጠት ዘለወን ትብል።

"ኣገዳሲ መበገሲ ማዕከን ሓበሬታ'ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ክሊ'ቲ [ናይ ወሊድ] ዕድመ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብፍላይ እተን ክጠንሳ ዝደልያ፡ ብዛዕባ መከላኸሊ ዘይብሉ ጾታዊ ርክብ ክዛረባ ስለዝጽገማ" ትብል ክርስቲን።

ዋላ'ኳ ዓቢ ገስጋስ ተኻይዱ እንተሎ፡ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታታት፡ ሰባት ስራሕ ክስእኑ፡ ዝምድናታት ክኸስሩን፡ ሕክምናዊ ክንክን ዋላ'ውን መርመራ ከይረኽቡን ክገብር ይኽእል'ዩ።