ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከምዝተዘምተ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, WFP
ኣብታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ እትርከብ ማእከል ኢንዱስትሪ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዘኑ ከምዝተዘምተ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣፈኛ ናይቲ ትካል ቶምሰን ፊሪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ክልል ኣምሓራ ረዲኤት ከብጽሕ ፍቓድ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ።
ነዚ ንምግባር ኣብ ዘካየዶ ቅድመ-ምድላው ግን፡ ሓያሎ ካብቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ንብረቱ ከምዝዓነወን ኣብ ውሽጢ መኽዘን ዝነበረ እኽሊ ከምዝተዘምተን ሓቢሩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝምታ መዓስን ብመንን ከምዝተፈጸመ ዝገለጾ ነገር የለን።
ሓይልታት ህወሓት ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ይዝከር።
ምዝራፍ ናይቶም መኽዘናት ነቲ ዝህቦ ህጹጽ ረዲኤት ከምዝድርቶ እቲ ኣፈኛ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ትካል ናብቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ከባቢታት ረዲኤት የብጽሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ንኣስታት 450 ሽሕ ህዝቢ ረዲኤት ክዕድል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
ኩሎም ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፡ ምንቅስቓስ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ከኽብሩ ዳብሊው-ኤፍ-ፒ ተማሕጺኑ።
ኣፈኛ ናይቲ ትካል ካብቲ ኣብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩሎም ወገናት ህጹጽ ረዲኤት ናብ ተጸበይቲ ክበጽሕ መንገዲ ክኸፍቱ ጸዊዑ።
እቲ ትካል፡ ዛጊት ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 2.9 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ክልል ዓፋር ን124 ሽሕ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ን220 ሽሕ ሰባት ረዲኤት ከምዘቕረበ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, MELAKU AMBAW
ናብቶም ውግእ ዝካየደሎም ቦታታት ከይተረፍ ረዲኤት ከምዘብጽሐ ድማ ጠቒሱ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ 3.7 ሚልዮን ረዲኤት ዝጽበዩ ሰባት ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብቶም ግጭት ዝካየደሎም ከባቢት ክኣትው መንገዲ ክኽፈተሎም ሓቲቱ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብሰንኪ ምቁራጽ ገንዘባዊ ደገፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ረዲኤት ንጥፈታት ተኣጓጒሉ ከምዘሎ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ብውሕዱ 279 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ቶምሰን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ድማ፡ 546 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮን፡ እዚ እንተተረኺቡ ኣብ ዝቕጽል 6 ኣዋርሕ 12 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ ከኽእሎ'ዩ።
ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል 40 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዝመደበ ብሰኑይ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበን፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝገበረን ይፍለጥ።
እቲ መዕለቢ ተሳኢንሉ ዘሎ ኲናት ሕጂ'ውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ነታ ኣብ መስመር ደሴ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ከተማ ሽዋሮቢት ተቖጻጺሮማ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ከምዝኸይድ ትማሊ ኣፍሊጡ ነይሩ።
መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልሎም ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይሃበን ዘሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







