ኬንያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ሰባት መንግስታዊ ኣገልግሎት ክትኸልኦም’ያ

መንግስቲ ኬንያ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይወሰዱ ዜጋታት መንግስታዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሙታሂ ካግዌ ዘይተኸትቡ ሰባት ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፣ ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታትን ኣገልግሎት ባቡርን ከም ዝኽልከሉ ሓቢሩ።

ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፣ እቶትን ካልኦት ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት መንግስትን ዝኸዱ ኬንያውያን ምስክር ወረቐት ክታበት ከርእዩ ክግደዱ’ዮም።

እዚ መምርሒ ካብ 21 ታሕሳስ 2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ድማ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ክታበት ፋይዘር ክወስዱ’ዮም።

ኬንያ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 10 ሚልዮን ዜጋታት ክትኸትብ መደብ ሒዛ ኣላ።

ክሳብ ሕጂ ትሕቲ 10 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ጥራይ እዩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዱ።