ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተፈቲሖም

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታቱ እቶም ሽዱሽተ ከም ዝተፈትሑን ካልኦት ሓሙሽተ ኣብ ቀይዲ ከም ዘለውን ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ስቴፋኒ ዱጃሪክ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተኣሰረ ተዛሪቡ።

እዞም ሰራሕተኛታት ኣብዚ ወርሒ ካብ ሞንጎ ዝተኣሰሩ 16 ኣባላት እቲ ውድብ እዮም።

እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይተገልጸን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ንምፍትሖም ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ብሮቡዕ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታቱ ክፈትሖም ሓቲቱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ካብ 72 መራሕቲ መኪና ፍርቆም ከም ዝተፈትሑ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ሰፊሕ ማእሰርቲ ይርኣይ ምህላው ይግለጽ።

ኣካላት ጸጥታ ሰላማውያን ሰባት ይኣስሩ ኣለው ዝብል ክሲ እኳ እንተቐረበሎም፡ ንሰላማውያን ሰባት ከምኡ’ውን ብሄር ዒላማ ከም ዘይገበሩ ብምግላጽ ሕግታት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝጥሓሱ ጥራይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከየስዕብ ይስጋእ።

መንግስትን ኣንጻሩ ተሰለፎም ዝዋግኡ ዘለው ዕጡቓትን ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን እቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ፍታሕ ንክረክብን ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርበሎም ኣሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተርን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነን፡ ኲናት ደው ኣብ ዝብለሉ ኩነታት ከም ዝዘተዩ ተገሊጹ ኣሎ።

ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ “ጄፍሪ ፌልትማን ነቲ ኲናት ደው ኣቢልካ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ኣዛይዱ ቀጺሉሉ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ’ሎ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ዝተራኸበ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ ዘምጽኦ ኲናት ደው ዝብለሉ ምኽረ-ሓሳብ ትጽበይ ምህላዋ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ።