እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣንጻር ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ጠያይትን መንብዒ ጋዝን ብምትኳስ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተሉ ኮሚቴ ዶኳትር ገሊጹ፡፡
እቶም ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሰልፊ ዘካየዱ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጸዊዖም፡፡
ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ናብቶም ሰልፈኛታት ጠያይቲ ከምዘይተተኮሰ እዩ ዝገልጽ፤ ጎስጎስቲ ግና ልዕሊ 100 ከምዝቖሰሉ ሓቢሮም፡፡
መራሒ እቲ ዕልዋ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ቡርሃን ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍረሶ ዝዝከር እዩ፡፡
እቲ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ ጀነራል፡ ኣብታ ሃገር ሓድሕድ ውግእን ፖለቲካዊ ጎንጽን ከይፍጠር ብምስጋእ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ እዩ ዝገልጽ።
ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ግና ነቲ ዕልዋ ብምኹናን ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ ቦትኡ ክምለስ ይምሕጸና ኣለዋ፡፡
እቶም ባንዴራ ሱዳን ሒዞም ናብ ጎደናታት ካርቱም ዝወጽኡ ሰልፈኛታት 'ወታሃራዊ ኣገዛዝኣ ኣይንቕበልን' ክብሉ ተሰሚዖም፡፡
ትማሊ ኣብ ኦምዱርማን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ብጠያይቲ ከምዝተቐተሉ ሰንትራል ዶክተርስ ኮሚተ ዝተባህለ ማሕበር ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ሱዳን ግና ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ ከምዘይተጠቐሙን ብኣንጻሩ ገለ ሰልፈኛታት ንፖሊስ ከምዘጥቅዑን ገሊጹ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ 10 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም እዮም፡፡
ሰብመዚ ሱዳን ኢንተርነትን ካልኦት መራኸቢ መንገድታትን ዝዓጸዉ ኮይኖም ኣብ ምንቅስቓስ እውን ገደብ ኣንቢሮም ኣለዉ፡፡
እቶም ድሕሪ ምውጋድ ዑመር ኣል-በሽር ስልጣን ዝሓዙ ስቪልን ወታሃራውን መራሕቲ ሱዳን ክሳብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተፈጸመ ዕልዋ፡ ኣብ ኪቢድ ወጥሪ ጸኒሖም ነይሮም።
ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ጀነራል ቡርሃን፡ ሱዳን ሕዚ እውን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከምእትሰጋገርን ኣብ ሓምለ 2023 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ መረጻ ከምዝካየድን ተዛሪቡ።