ማክሮን፡ ኣብ 1961 ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ኣልጀርያውያን ዝተፈፀመ 'ጃምላዊ ቅትለት' ኮኒኑ

ፈረንሳይ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ኣልጀራውያን ሰልፈኛታት ብፖሊስ እታ ሃገር ንዝተፈፀመ “ይቕረ ዘይበሃል ገበን” ኮኒኑ።

ቅድሚ 60 ዓመታት 17 ጥቅምቲ 1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ፖሊስ ፈረንሳይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ዝነበሩ ኣልጀርያውያን ንምንምብርካኽ ሓይሊ ተጠቒሙ። ንገሊኦም ተኩሱ ቀቲልዎም ካልኦቶም ድማ ኣጥሒሉ ቀቲልዎም።

ብልክዕ ቁፅሪ ግዳያት እኳ ምፍላጥ እንተዘይተኽኣለ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣልጀርያውያን ህይወቶም ስኢኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለፅ።

ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንዝተፈፀሙ ገበናት ብወግዒ ዝተኣመነ ፈላማይ ፕረዝደንት ፈረንሳይ እዩ።

ዝኽሪ እቶም ግዳያት፡ ነቲ ኣብ 1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ኣልጀራውያን ጥራሕ ንዝተነበረ ናይ ምሸት እገዳታት ንምቅዋም ሕመረት ኣብ ዝኾነ ሩባ ሲን ዝተኻየደ እንትኾን፡ ፕረዝደንት ማክሮን’ውን ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቡ’ዩ።

ኣብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ እቶም ግዳያት ቅትለት ዝተረኸበ ማክሮን፡ ንኣዝማድ ግዳያት፡ እቶም “ገበናት” በቲ ነውራም ኣዛዚ ፖሊስ ማውሪስ ፓፖን ትእዛዝ’ዩ ተፈፂሙ ኢልዎም።

ፓፖን ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም፡ ኣይሁዳውያን ናብቶም ናይ ሞት መዓስከራት ናዚ ክሰግሩ ምስ ሓይልታት ናዚ ከምዝተመሻጠረ ኣብ 1980ታት ተቓሊዑ’ዩ።

ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ማክሮን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቲ ኣብ 1961 ዝተኻየደ ምጭፍላቕ፡ “ ኣረመንያዊ፣ ሕሱምን ደማውን’ዩ ኔሩ” ኢሉ።

ሻቡ 12 ሽሕ ኣልጀራውያን ተኣሲሮም፣ ብዙሓት ቆሲሎምን ኣእላፍ ዝቑፀሩ ድማ ተቐቲሎም፡ ኢሉ፡ መግለፂ ቤት-ፅሕፈት እቲ ፕረዝደንት።

ነጠፍቲ ግና፡ ልዕሊ እዚ ተሪር ተኣምኖን ተሓታትነትን ክህሉ እዮም ዘተስፍዉ።

ማክሮን፡ ቤት-ፅሕፈቱ ካብ ዝሃቦ መግለፅን ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺቡ ብሓፂሩ ይቕረታ ካብ ምባል ብዝዘለለ፡ ወግዓዊ መደረ ኣየስመዐን።

ኣብቲ ፀረ-ዓሌታውነት ዝንቀሳቐስ ማሕበር ‘Africa93 anti-racism association’ ትነጥፍ (ትሰርሕ) ሚሞና ሓጃም ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ መግለፂ እቲ ፕረዝደንት “ጽቡቅ ስጓመ እምበር ሙሉእ ኣይኮነን፤ ልዕሊ እዚ ኢና ንፅበ” ኢላ።

“ፓፖን በይኑ ኣይኮነን ፈፂምዎ። ኣብ ማእኸል ፓሪስ ሰባት ተሳቕዮምን ተቐቲሎምን’ዮም” ብምባል “ሃገራዊ ገበን” ክበሃል ድማ ፀዊዓ።