'ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ብግልጺ ምዝርራብ ናይ ኩላትና ጥዕና'ዩ' - ያእቆብ ተኪኤ

ያእቆብ ተኪኤ [ዶክተር] ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫኒያ ክኢላ ስነ ኣእምሮ'ዩ። ብትምህርቱ ክሊኒካል ሳይኮሎጂስት ኮይኑ ቴራፒስትን መምህርን እቲ ዩኒቨርሲቲ'ዩ።

ንሱ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ክዓቢ እንከሎ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ምክትታል ካብ ዝጅምር ንድሓር ኣብ ዘለው ግዜያት ኣብ ኣመሪካ'ዩ ዝነብር።

ኣብ ስደትን ስደተኛታትን ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ ብፍላይ ድማ ካብ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሱዳንን ንዝተሰደዱ ከቢድ ሓደጋ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ጸገማትን ንዝበጽሖም ሰባት ድጋፍ ጥዕና ኣእምሮ ይህብ።

እዚ ስራሕ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ከም ዝጽዓቐ ዝገልጽ ያእቆብ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ዝጸንሑ ጸቕጥታት ኣእምሮ ተደሪቡ ምስቲ ለበዳ ዝመጽኡ ዝተፈላለዩ ወጥርታት ንምቅላል ብዙሕ ስራሕ ይሓትት ይብል።

እቲ ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ስግኣት፣ ተነጽሎ ዝኣመሰሉ ተዛመድቲ ጸገማት ስለ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብዝተፈለየ መልክዑ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ ኢሉ።

ኣብቶም ስደተኛታት ዝርኣይ ናይ ቋንቋ ጸገማት፣ ናይ ባህሊ ኣፈላላይን ምስቲ ሕብረተሰብ ናይ ምውህሃድ ጸገማትን፣ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ዝስዓበ ምርሕሓቕን ብሕታውነትን ኣብ ኣእምሮ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘሕድሩ ይዛረብ።

ነዚ ንምፍታሕ መንግስቲ ዝህቦም ኣገደስቲ ዝብሃሉን ንጥዕና ኣእምሮ ዝሕግዙን ሓበሬታታት ብዝዛረቡዎ ቋንቋ ክበጽሖም ብምግባር ክሕገዙ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

"ኣብ ባህልና ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ብግልጺ ምዝርራብ ከቢድ ስለ ዝኾነን እቶም ዝዛረቡ ሰባት'ውን ተነጽሎ ስለ ዝገጥሞም ፍቓደኛታት ኮይኖም ሓገዝ ንክረኽቡ ጻዕሪ ዝገብሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን የለውን። ግን ድማ እዚ መፍትሒ ኣይኮነን፤ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ግዜ ብዝወሰደ ቑጽሪ እናኸፍአ ስለ ዝመጽእ የኽብዶ። ነዚ መፍትሒ ክረክብ ይደሊ ነይረ" ይብል።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዩትዩብ ከም ሓደ ኣማራጺ ብምውሳድ ኣገደስቲ ሓበሬታታትን ማዕዳታትን ከሕልፍ ጀሚሩ።

በዚ መገዲ እቶም ብስክፍታ ኣብ ገዝኦም ዝተሓብኡ ሰባት ዝደልዩዎ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩዎ።

"ብልክዕ ከምቲ ብኣካል ረኺብና እንሕግዞም ብዩትዩብ ዕምቆት ዘለዎ ሓገዝ ክትገብር ከቢድ'ዩ። ግን ድማ ሰባት ከይተሸማቐቑ ዝደልዩዎ ኣገልግሎት ምኽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።

ወሲኹ "ከም ኮቪድ ዝበለ ለበዳ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ዝገብር እንተኾይኑ ወይ'ውን ካብ ዝለመዱዎ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ከትርፎም እንከሎ ሰባት ጸቕጢ በዚሑዎ ነቶም ዝጸንሑ ጸገማት ኣእምሮ ከጋድዶም ይኽእል'ዩ" ይብል።

ሰባት እቲ ዘድልዮም ሓገዝ ንምርካብ ካብ ዝድርቱዎም ነገራት እቲ ሓደ ካብቲ ማሕበረሰብ ክበጽሖም ዝኽእል ተነጽሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግንዛበ ሰባት እናተመሓየሸ ይመጽእ ምህላው ይገልጽ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበሩ ጸገማት ብምዝኽኻር "ብዛዕባ ሕማማት ኣእምሮ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ሰባት ንዕላማይ ይጥርጥሩዎ ነይሮም። ሰባት ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከይሓሰብካዮ ዝወርድ መዓት ይመስሎም። ግን ድማ ቀስ እናበለ ጭንቀት እናተደራረበ ዝዓቢ'ዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣመሪካን ካናዳን ብምኻድ ሞያዊ ተሞክርኡ ንከካፍልን ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓገዝ ክገብርን ተሓቲቱ ነይሩ።

"ናይ ኣእምሮ ሕሙም ክብሃል እንከሎ ጥራይ ዝባኑ ሰባት ብእምኒ ዘባርር ውልቀሰብ ዝመስሎም ብዙሓት ኣለው። እዚ ግን ጌጋ'ዩ" ዝብል ያእቆብ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝግለጽ ምዃኑ የረድእ።

ብፍላይ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ኣብ ዝቕጽሉ ገለ ዓመታት ለበዳ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ እንርኢ ይመስለኒ" ክብል እንከሎ ብኣጋ ክንዘራረበሎም ዝግብኡ ነገራት ኣለው ይብል።

ብቐንዱ ትኹረት ክንገብረሎም ይግባእ ዝብሎም ምልክታት

  • ድሌት ወይ ዓቕሚ ስራሕ ምንካይ
  • ናይ ኣመጋግባ ድልየት ምቕያር [ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምንካይ ወይ ምውሳኽ]
  • ምስ ሰባት ናይ ምርኻብ ድሌት ምንካይ
  • ኩነታት ድቃስ ምቕያር [ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምድቃስ ወይ ንተኸታተልቲ መዓልታት ህራስ ምስኣን]

ይኹን'ምበር፡ ምጉዳል ጥዕና ኣእምሮ ዘላቒ ኣይኾነን ዝብል ያእቆብ፡ ልክዕ ከምቲ "ኣካላዊ ጸገም ገጢሙና ናብ ሆስፒታል ከይድና እንሕከሞ፡ ንኣእምሮና'ውን ተመሳሳሊ ክንክን ክንገብር ይግባእ" ኢሉ።