ኣብ ጉስጢት ከቢድ ሚዛን ኣንቶኒ ጆሽዋ ብኦሊክሳንደር ኡሲክ ተሳዒሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሊክሳንደር ኡሲክ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ግጥም ንኣንቶኒ ጆሽዋ ብምስዓር ሓድሽ ሻምፕዮን ጉስጢት ከቢድ ሚዛን ዓለም ኮይኑ፡፡
ዩክሬናዊ ኡሲክ፡ ኣብቲ ኣብ ስታድዮም ቶተንሃም ሆትሰፐር ኣብ ቅድሚ 65 ሽሕ ደገፍቲ ዝተኻየደ ግጥም ጎብለል ከቢድ ሚዛን ኮይኑ ንዝጸንሐ እንግሊዛዊ ጆሽዋ ኣብ 12 ዙራት ጸብለልታ ብምውሳድ ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱሉ፡፡
ኣንቶኒ ጆሽዋ እቲ ናይ ትማሊ ስዕረት ኣብ ናይ ውድድር ህይወቱ ካልኣይ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እቲ እንግሊዛዊ ነቲ ግጥም ብቐሊሉ ክዕወተሉኳ ትጽቢት ዝተገበረሉ እንተነበረ፡ ኡሱክ ብዘርኣዮ ዘደንቕ ብቕዓት ግን ከምቲ ዝተሓሰበ እንተይኮነ ተሪፉ፡፡
ጆሽዋ ኣብ ልዕሊ ተጋጣሚኡ እዚ ዝበሃል ውቅዒት እንተየዕረፈ እዩ እቲ ውድድር ተዛዚሙ፡፡
ምስ ቢቢሲ ራድዮ 5 ላይቭ ጻንሒት ዝገበረ መፋለጢ ጆሽዋ ዝኾነ ኢዲ ሂርን፡ እቲ ተጓሳጣይ ኣብ መቓድ ዓይኑ (ሶኬት ዓይኑ) ጉድኣት በጺሕዎ ክኸውን ከምዝኽእልን ሕክምና ከምዘድልዮን ገሊጹ፡፡
‘‘ድሕሪ ታሽዓይ ዙር ክርእይ ከምዘይከኣለ እዩ ተዛሪቡ፤ መቓድ ዓይኑ ተሰይሩ እንተኾይኑ ኣይፈለጥኩን፤ ጽቡቕ ዘሎ ኣይመስልን’’ ኢሉ፡፡
በቲ ውጽኢት ዝሓረቐ ጆሽዋ ዳያኑ ውሳነ ምስሃቡ ቀልጢፉ እዩ ካብቲ መጓሰጢ ቀለበት ተኣልዩ፤ ጸኒሑ ግና ‘‘ዋላ ዓለም ኣብ ቅድመኻ እንተፈረሰትካ ንስኻ ግን ጽቡቕ ሕሰብ፡፡ ለንደን እፈትወኩም እየ!’’ ዝብል ጽሑፍ ምስጋና ሓዊሱ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







