እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንበዓል መስቀል ሓዊሱ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም ሓድግታት
ኣብ ኢትዮጵያ መስከረም 17 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] በዓል መስቀል እንትኽበር፡ መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም ድማ ተኸቢሩ ይውዕል።
ኣብ ዓለም 'ትኪ ኣልቦ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓውዲ ቱሪዝም ንምትብባዕ ሃገራት ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብራ ይረአያ።
ኣብዚ ዕለት'ውን ኩሉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ነናይ ባዕሉ ታሪኽ፣ ባህልን ክብርታትን ከላልን ከፋልጥን ይፍትን።
ኢትዮጵያ ብዙሓት ጸጋታት ዝተዓደለት ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ መዝገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን [ዩኔስኮ] ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ዝተፈላለዩ 13 ሓድግታት ኣመዝጊባ ትርከብ።
እቶም ሓድግታት ካብ ኣክሱም ክሳብ 'ታሕተዋይ' ኦሞ ሓጓፍ ሽንጥሮ ይጥቀሱ።
ካብ ሞንጎኦም ዘገርሙ መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ከባቢያዊ ኣየርን፣ ዝተፈለየ እንስሳት ዘገዳም ከምኡ'ውን ስፍራታት ዓጽመ-ቅድመ ሰብ ይርከብዎም።
[መዘከርታ፦ ኣብዚ ዛንታ ዘሎ ኣቆጻጽራ ብሙሉኡ ብግእዝ እዩ]
1. ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ኣብያተ ክርስትያናትላሊበላ
ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ፡ ኣብ 1978 ዓ.ም እዮም ሓደግታት ዓለም ኮይኖም ተመዝጊቦም።
እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ካብ ኣዲስ ኣባባ ብ645 ኪሎሜትሮ ዝርከብ ኮይኑ፡ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ገጢምዎ ከም ዘሎ ይዝረብ።
2. ብሄራዊ ሕዛእቲ 'እምባታት ሰሜን'
ብሔራዊ ፓርክ 'እምባታት ሰሜን' ኣብ 1978 ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብ 2009 ዓ.ም ኣብ ዝርዝር ንሓደጋ ኣብ ዝተቓልዑ ሓድግታት ተኻቲቱ ነይሩ።
ኣብዚ ሕዛእቲ ጉድለት ሓለዋ፣ ብጨፍጫፍ ኣግራብን ብሰንኪ ሕርሻዊ ንጥፈታትን፡ እቶም እንስሳት ዘገዳም እናተሰደዱ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዝርከቡ ዘስተውዓለ ዩኔስኮ፡ ኩነታት እቲ ፓርኪ ብፍላይ፡ ዋሊያ ኣይቤክስ፣ ናይ ሰሜን ቀይሕ ቡኻርያን ቁጽሪ ካልኦት መጥበውቲ እንስሳትን ስለ ዝተመናመነ እዩ ንሓደጋ ዝተቃለዐ እዩ ተባሂሉ ነይሩ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብሄራዊ ሕዛእቲ፡ ብዙሓት ኣዕዋፍ ዝሓዘ ኣውሊዕን ኣውሕን ዝርከቦ ኯይኑ፡ 138 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ይሽፍን።
3. ቐጽሪ ቤተ መንግስቲ ፋሲል
ቐጽርን ቤተ መንግስትን ፋሲል እውን ብ1979 ዓ.ም እዩ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ።
እዚ'ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ 748 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት እዩ ዝርከብ።
እዚ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ኣብ ማእከላይ ዘበን ማእከል ንግስና ዝነበረ፡ ብ900 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓጹር ዝተኸበበ ኾይኑ፡ 12 መእተዊ በሪ ኣለዎ።
ጎንደር ብ1632 ኣብ እዋን ንጉስ ፋሲለደስ፡ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ዝነበረት ኮይና ኣብ 16ን 17ን ክፍለ ዘበን 'ፋሲል ግቢ' መንበሪ እቶም ነገስታት ከምዝነበረ ይዝረብ።
4. ኣክሱምን ሓወልታትን
ኣክሱም ሰው ዝሰርሖ ጥንታዊ ከተማ ኮይኑ ሰፊሕ ናይ ስነ ኳዕቲ ቦታን ካብ ሓደ እምኒ ዝተፈልፈሉ ሓወልታትን ይርከብዎ።
ኣክሱም፡ ብ1980 እዩ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ሰፊሩ።
ኣብ ማእከላይ ዞባ ክልል ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ልዑል ምህዞ ወዲ ሰብ ከምኡ'ውን ወሳኒ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ዘመልክት ሰነዳት የመልክቱ።
ጥንታዊት ርእሰ ከተማ ዝነበረት ኣክሱም፡ ተመራምቲ ከም ዝገልጽዋ፡ መንበሪ ሓያል መንግስቲ፣ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ማእከል ሃይማኖታዊ መንግስቲ ሕዚ'ውን ማእከል ሃይማኖት ኯይና ቀጺላ ኣላ።
5. ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ
ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ፡ ፍልይ ዝበለ ተፈጥሮ ዝርከበሉ ስፍራ እዩ።
ጥንታዊ ዓጽመ ቕድመ-ሰብ ዝርከበሉ ስፍራ ኮይኑ፡ እቲ ከባቢ ተኸታተሊ መጽናዕቲ ይካየደሉ ኣሎ።
እዚ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከብ ኮይኑ ብ1980 ተመዝጊቡ።
እቲ ስፍራ ኢትዮጵያ፡ መበቆል ጥንታዊ ሰብ ዝርከበላ ምዃና ዘመልከት ኮይኑ፡ ኣብ 1974 ዓ.ም 3.2 ሚልዮን ዕድመ ዘቑጸረት ሉሲ፣ 4.4 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጸረት ኣርዲ ተረኺበን።
3.6 ሚሊዮን ዓመታት ዘቁጸረት ህጻን ሰላም'ውን ኣብዚ ከባቢ እያ ተረኺባ።
6. ትኹል እምኒ ጢያ
ትኩል እምኒ ጢያ፡ ከኣ ናይ ባህሊ ማእከል እዩ። አ
እዚ ኣብ ደቡብ ክልል ዝረርከብ ስፍራ፤ ብ1980 እዩ ኣብ ኡኔስኮ ተመዝጊቡ።
ኣብቲ ስፍራ ዝርከቡ ትኩላት ኣእማን መጠን ዝተፈላኄ ኾእኑ ቁጽሮም 36 እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቶም 32 ትኹል ኣእማን ዝተፈላለዩ ምስልታት [ማለተ'ውን ጎራዴ፣ ጦር፣ ወርሒ፣ ፀሓይ፣ ናይ ኢድን ካልኦት እንታይነቶም ዘይፈለጡ ምስልታት ተስኢሎምዎም ይርከቡ።
7. ታሕተዋይ ኦሞ ሓጓፍ-ሽንጥሮ
ካልእ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ታሕተዋይ ኦሞ ሓጓፍ ሽንጥሮ እንትኸውን፡ ኣብ 1980 እዩ ከም ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ።
ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዝርከብ እዚ ታሪኻዊ ስፍራ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 1000 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ይርከብ።
እቲ ቦታ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ወዲሰብ ብዝምልከት ንዝካየዱ ምርምራት ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ እዩ።
ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጸሩ ጥንታዊ ሓድግታትን ናይ ገዛ ኣቒሑትን ከምኡ'ውን ዓጽመ-ቅድመ-ሰብ ይርከቦ።
8. ጥንታዊት ከተማ ሃረር
ጥንታዊ ከተማ ሃረር ጀጎል፡ ብጥንታዊ ደገኣፉን ኣዳራሻቱን ባህላዊ ሓድጊ ኮይኑ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ይርከብ።
እዚ ኣብ 2006 ዝተመዝገበ ታሪካዊ ሓድጊ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 525 ርሒቑ እዩ ዝርከብ።
እዛ ጥንታዊት ከተማ፡ ኣብ መበል 7ይ ክፍለ ዘበን ዝተመስረተት ኮይና፡ ብደጎል ዝተኸበበት እያ።
እታ ከተማ፡ ንብዙሓት ዘበናት ማእከል ንግዲ ኮይና ዘገልገለት ኮይና፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ማእከላይ ምብራቕ ተራኽብ'ውን ወሳኒት ከተማ እያ ነይራ።
9. ኮንሶ
መልከኣ ምድራዊ ኮንሶ፡ ብዛላታት ዝተሓጸሩ መንደራት ዘለውዎ ኮይኑ፡ ብ2011 ዓ.ም ባህላዊ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ።
እዚ ኣብ ደቡብ ክልል ዝርከብ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ታሪኻዊ ሓድግታት ዝሓዘ ታሪካዊ ቦታ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 595 ርሕቐት ዝርከብ እዩ።
10. መስቀል
ሃይማኖታዊ ክብረ በዓል መስቀል፡ ዓስራይ ባህላዊ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
መስቀል ባህላዊ ክብረ-በዓል ኮይኑ ዝተመዝገበ ናይ መጀመርታ ዘይድህሰስ ባህላዊ ሓድጊ እዩ።
11. ፍቼ ጫምባላላ
መለወጢ ሓድሽ ዓመት ሲዳማ ዝኾነ ፍቼ ጨምባላለ በዓል፡ ኣብ 2008 እዩ ኣብ ናይ ወዲ ሰብ ወካሊ ባህሊ ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ፍቼ ጫምባላላ በዓል ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ካልኦት ባህላዊ ክብርታት ሓቚፉ ዝሓዘ ክብረ በዓል እዩ።
12. ስርዓት ገዳ
ስርዓት ገዳ፡ ኣብ ሕዳር 2009 ኣብ ዩኔስኮ ዝተመዝገበ ኾይኑ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ነዊሕ ዘበናት ዘማዕበሎም ባህላዊ ሓድጊን፡ ብቐንዱ ናይ ምሕደራ ስርዓትን እዩ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቲ ማሕበረሰብ'ውን ዓቢ ኣወንታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይዝረብ።
እቲ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጡ ሃይማኖታዊ ባህላዊን ሕጋውን ክብርታት ዝሓዘ እዩ።
ከምኡ'ውን ካብ ውልደት ጀሚሩ፡ ክሳብ ሽምግልና ናይ ሰባት ናይ ስልጣን ብርክታት የመልከት።
ኣብ ውሽጡ ዋቄፈናን ኢሬቻን ዝበሃሉ እምነታትን ባህላዊ ጸጋታትን ሓቚፉ ዝሓዘ እዩ።
13. ጥምቀት
ጥምቀት'ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ራብዓይ ዘይድህሰስ ባህላዊ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኾይኑ ዝተመዝገበ ምዃኑ ይዝከር።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ብኣመንቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ዝኽበር እዚ ዕለት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ኢትዮዮጵያን ኤርትራን ብኣመንቲ ክርስትና ሃይማኖት ተኸቢሩ ይውዕል።