ሶማልያ፡ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ዘሎ ምስሕሓብ ንባይቶኣዊ ምርጫ ከምዘይጸልዎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, UNSOM/Twitter
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ መሓመድ ሑሴን ሮብለ እቲ ምስ ፕረዚደንት ዘለዎ ምስሕሓብ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ባይቶኣዊ ምርጫ ከም ዘየተዓናቕፎ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞቓዱሾ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
"ነቲ ምርጫ ከምቲ ዝተወጠኖ ንምክያድ ድሉዋት ኢና። ዘለዉና ካልኦት ጉዳያት ኣብቲ ምርጫ ጽልዋ ኣይክህልዎምን'ዩ" ክብል ነታ ኣብቲ ሃገር ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ቃል ኣትዩ።
ብሰንኪ ምስዋር ሓንቲ ኣባል ስለያ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ መንጎ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣባል ስለያ ነበር ኢክራን ታህሊል፡ ብዛዕባ'ቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝኸዱን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብሃሉን ወተሃደራት ሶማልያ ሓበሬታ ስለዝነበራ'ያ ተቐቲላ ክብሉ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ይኸሱ።
ሰብመዚ መንግስቲ፡ ብእስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ከምዝተቐትለት'ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ጉጅለ ግን ኢድ ከምዘይብሉ ገሊጹ ነይሩ።
በዚ ዝተላዕለ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንርእይቶ ፕረዚደንት ፋርማጆ ብምንጻግ ንሓላፊ ስለያ'ታ ሃገር ካብ መዝነቱ ኣውሪድዎ። ፕረዚደንት ብወገኑ ሓላፊ ጸጥታ ቤትጽሕፈቱ ክኸውን ሸይምዎ'ሎ።
ብሰንበት ምስ ክልቲኦም ሰብስልጣን ዝተራኸበት እታ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ "ንጎነጽ ዝዕድምን ንተኣማንነት እቲ ምርጫ ዘዳኽምን" ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ተማሕጺና።
መራሕቲ ዞባታት ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያን ጋልሙዱግን፡ ኣብ መንጎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ዘሎ ምስሕሓብ ንፍታሕ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







