ኣባላት ስድራ ተሰዊራ ዘላ ኣባል ስለያ ሶማልያ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ ንዘቖሞ ኮምሽን ነጺጎም

ኣባላት ስድራቤት ናይታ ሃለዋታ ተሳኢኑ ዘሎ ኣባል ስልያ ሶማልያ፡ ኢክራን ታሕሊል፡ ጉዳያ ንምጽራይ ብፕረዚደንት ኣብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ንዝቖመ መርማሪ ኮምሽን ከም ዘይቅበሉ ኣፍሊጦም።

እቲ ፕረዚደንት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ርኽበታቱ ናብ ዝምልከቶ ሕጋዊ ትካል ከቕርብ ምዃኑ እዩ ተዛሪቡ።

ስድራ ታሕሊል ግና ንምቛም እቲ መርማሪ ኮምሽን ክነጽጉ እንከለው፡ እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክርአ ከም ዝደልዩ ሓቢሮም።

ኣደ ታሕሊል ንዩኒቨርሳል ቲቪ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ "እምነትና ኣጥፊእና ኢና፤ እቲ ፕረዚደንት ነጉዳይ ታሕሊል ንምምርማር ዘቖሞ ጉጅለ ኣይንቕበሎን ኢና። ንወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ጥራይ ኢና እንኣምን ኣብ ድማ ኢና እቲ ጥርዓንና ዘቕረብና" ኢላ።

ኣብቲ ጉዳይ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ዘይቓደወ ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ኣብ ጉዳይ ምቋም እቲ ኮምሽን ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

እንተኾነ እቲ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘለዎ ምስሕሓብ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ከም ዘየተዓናቕፎ ቃል ኣትዩ'ሎ።

ንሱ፡ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞቓዱሾ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

"ነቲ ምርጫ ከምቲ ዝተወጠኖ ንምክያድ ድሉዋት ኢና። ዘለዉና ካልኦት ጉዳያት ኣብቲ ምርጫ ጽልዋ ኣይክህልዎምን'ዩ" ክብል ነታ ብሰኑይ ኣብቲ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደት ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፡ ሓላፊ ትካል ስለያ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ኣይሓዞን ብዝብል ካብ ስርሑ ደው ክብል ትእዛዝ እኳ እንተኣመሓላለፈ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ሓላፊ ጸጥታ ቤትጽሕፈቱ ክኸውን ብምሻም ናብ ስርሑ መሊስዎ።

እቲ ትካል ስለያ ኣብ ፈለማ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ኢክራን ታሕሊል ዝተባሃለት ሰራሕተኛ ክፍሊ ድሕነት ሳይበር ብኣባላት ኣልሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ከም ዝተጨውየትን ከም ዝተቐትለትን እዩ ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ግና ከም ዘይወዓሎ ኣፍሊጡ እዩ።

ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ኢክራን ታሕሊል ብዛዕባ እቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተወሰዱን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም እተሳተፉ ዝንገረሎምን ወተሃደራት ሶማል እትፈልጦ ተኣፋፊ ሓበሬታ ስለ ዘለዋ ክትጠፍእ ከምዝተገበረ ይኸስሱ።