እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሳኹ ናብ መግቢ እንስሳ ምናልባት ከኣ ንሰባት ዝቕየረሉ ሕርሻ ደቡብ ኣፍሪቃ
ነፍሳት (ሓሸራት) ን‘ፔትስ’ ማለት ናይ ገዛ ፍትው እንስሳ ከም ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲን ስለዝኾኑ ኣብ ዕዳጋ ዘለዎም ተጠላብነት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ2018 ዝተኸፈተ ሕርሻ ማልቴንቶ ኣብ ወርሒ 10 ቶን ኣዝዮም ብፕሮቲን ዝማዕበሉ መግብታት ኣብ ምድላው ይርከብ። ካብቲ ዝፈርዮ ዝበዝሐ ድማ ናብ ደገ ሰድድ ይገብሮ።
“ሕጽረት መግቢ ኣሎ፤ ሰባት ከኣ ይጠምዩ ኣለዉ። በዚ ልክዕ ጸገም ብኽነት ኣለና። ስለዝኾነ ነዚ ብኸመይ መሊስና ክነመጣጥኖ ከምእንኽል ክሓስብ ጀሚረ” ይብል መስራቲ እቲ ሕርሻ ዲን ስሞርንበርግ ናብቲ ስራሕ ዝወፈረሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ።
ናብዚ ስራሕ ቅድሚ መሊኡ ምእታዉ ካልእ ስራሕ ዝነበሮ ዲን ብ2016 ኣብ ገዝኡ ‘ብላክ ሶልጀር ፍላይስ’ ብዝብል ዝፍለጡ በረርቲ ነፍሳት የርብሕ ነይሩ።
[እዞም መልክዕ ሃመማ ዘለዎም ጸለምቲ በረርቲ ነፍሳት ገና ላርቫ (ሓሰኻ ካብ እንቋቑሑ ድሕሪ ምውጽኡ) እናሃለዉ ንተረፈ-ምህርቲ ናብ ድኹዒ ወይ ናብ መግቢ እንስሳ ኣብ ምቕያር ዓብዪ ረብሓ ኣለዎም]
እቲ ስራሕ ምስ ካልኦት ፕሮቲናት ዝዳለዉሎም መገዲታት ክነጻጸር ከሎ ዝተሓተ መጠን ማይን ዝነኣሰ ቦታን’ዩ ዘድልዮ።
ብ2020 ኣብ ብሪጣንያን ጀርመንን ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፤ እቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ንፔትስ [ፍትው/ዝለመደ እንስሳ] ዝቐርብ መግቢ ካብቲ ፊሊፒንስን ሞዛምቢክን ብሓባር ዝፍንውኦ ዝበልጽ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ማለት ዝተበከለ ኣየር ናብ ከባቢ (ኣትሞስፌር) ይፍንው።
“ሓሳኹ ፕሮቲን ካብ ምዃን ብተወሳኺ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎም” ዝብል ዲን ስሞረንበርግ ኣብቶም ገና ላርቫ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደረጃ ዕብየት ዘለዉ ምብራር ዘይጀመሩ ነፍሳት ኣብ ምውሓስ ጥዕና መዓናጡ ደቂሰብ ዓቢ ተራ ከምዘለዎም የረድእ።
“ኣብ ውሽጢ ሓደ ቦታ 52 ጊዜ ምህርቲ ክትሓፍሱ ዘኽእለኩም ካልእ ዓይነት ዘርኢ ኣብ ዓለም የለን” ድማ ይብል።
እቶም ሓሳኹ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ዕብየት ምስበጽሑ እቲ ዘድልይ ክፍሊ ኣካሎም ተፈልዩ ተረፈ-ምህርቶም ድማ ከም ድኹዒ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል። ነዚ ተረፈ-ምህርቲ (ተዋጽኦ) ክወስዱ ድልየት ዘለዎም መድሓኒት ኣፍረይቲ ትካላት ከምዘለዉ ኣብቲ ሕርሻ ዝሰርሕ ዶሚኒክ ማላን ይዛረብ።
ኣብ ደረጃ ላርቫ እናሃለዉ ጀሚሮም’ዮም ናብ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ክውዕሉ ዝኽእሉ።
መብዛሕቲኦም ኣንቂጽካ ንመግብነት ደራሁ ክውዕሉ ናብ ኣሜሪካ ሰደድ ይግበሩ። ካልኦት ድማ ብመልክዕ ሕሩጽ ተዳልዮም ንኣኽልብቲ ዝኸውን መግቢ ናብ ዘዳለው ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ፋብሪካ ይለኣኹ። ዝተረፉ ብመልክዕ ፈሳሲ ናብ ዝዳሎ መግብነት ይጽሞቑ።
ኣብ ደች ዝርከብ ትካል መጽናዕቲ ሕርሻ ‘ራቦሪሰርች’ ከምዝብሎ፤ ብደረጃ ዓለም ካብ ሓሳኹ (በሻራት) ንናይገዛ እንስታት ዝዳሎ መግቢ ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ናብ ፍርቂ ቢልዮን ቶን ክበጽሕ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ እዋን 10 ሽሕ ቶን ጥራይ ይፈሪ። እዚ ኢንዳስትሪ ብቕልጡፍ ዝዓብይ ዘሎ ምዃኑ ድማ ወሲኹ ይገልጽ።
“ብሓቂ ኣማራጺ እዮም” ትብል ተመራማሪት መግቢ ዶክተር ሊህ ቤሳ። ኣብዚ ሕዚ ላርቫ በረትቲ ነፍሳት ንስጋ ተኪኡ መግቢ ደቂ ሰባት ክኸውን ንምግባር ኣብ ጻዕሪ ትርከብ።
ካብ ሞንጎ ተሳልጦም ዘላ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ከኣ ጣዕሚን ምዕቡል ትሕዝቶን ናይቶም ንእንስሳት ገዛ ዝቐርቡ መግብታት ክመሓየሽ ምግባር ሓደ’ዩ።
ቅድሚ ናብ ማልቴንቶ ምጽምባራ፡ ካብ ሓሳኹ (በሸራት) ዝተዳለወ ኣይስክሬም ዝሰርሕ ትካል ብምኽፋት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዘራራቢት ኮይና ነይራ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ብ2013 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓሳኹ ወይ ነብሳት ምምጋብ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽረት መግቢ ዘቃልል ኣማራጺ መገዲ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሓሳኹ ምምጋብ ልሙድ እናኾነ’ኳ እንተመጽአ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ምቅዋመን ኣይተረፈን።