ባህርዳር፡ ጻህያይ 'እምቦጭ' ንምጥፋእ ናብ ባህርዳር ዝኣተዉ ሕንዚዝ ናበይ ኣበሉ?

ኣብ ልዕሊ ቀላይ ጣና ዘጋጠመ ጻህያይ 'እንቦጭ' ንምጥፋእ ብዝብል ካብ ዩጋንዳ ዝኣተዉ ሕንዚዝ፡ ካብ ግዚያዊ መጽንሒኦም ወጺኦም ከም ዝተበተኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ነይሩ። ዝምልከቶም ኣካላት ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር 'ዊቪል' ዝበሃሉ ዓይነት ሕንዚዝ [ኣእካል ዝበልዑ] ዝራብሑሉ ቦታ ኣሎ። እቶም ሕንዚዝ ሙቐት ንክረኽቡ ዝገብር መሳርሒን ንመግብነት ዝውዕል ጻህያይ 'እንቦጭ'ን ኣብቲ መራብሒ ቦታ ተዳልዩ ይርከብ።

እቲ መራብሒ ብቐሊሉ ክበሊ ካብ ዝኽእል ጨርቂ ዝተሰርሐ'ዩ። ናሕሲ ናይቲ መጽንሒ ሕንዚዝ ተበሲዑ ስለዝነበረ፡ ካብ መንበሪኦም ብምውጻእ ካልእ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየኸትሉ ስኽፍታታት ተፈጢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ'ውን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ጸኒሑ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህርን ተመራማርን ዝኾነ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጌታቸው በነበሩ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

"ባህርያት ናቶም ሕንዚዛት ስለዝፈልጦ፡ ናተይ ስግኣት ዝነበረ ኣህባይ ናብቲ ቦታ ኣትየን ነቲ መራብሒ ከየበላሽውኦ ዝብል'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምኽትል ዳይሬክተር ሓለዋን ክንክን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣይተ በልስቲ ፈጠነ'ውን "እቲ ክወጽእ ዝጸንሐ መረዳእታ ዝተጋገየ እዩ። ነቲ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ዘርእይ ኣይኮነን" ይብል።

600 ሕንዚዝ ካብ ዩጋንዳ ተገዚኦም ከም ዝመጽኡ ዝሕብር መረዳእታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተዘርግሐ ዘዘኻኸርናዮም ዶክተር ጌታቸው "እቲ ጌጋ ካብዚ'ዩ ዝጅምር" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ሓደ ንሳልሳይ ዲግሪኡ መጽናዕቲ የካይድ ዝነበረ ሙሁር፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ማእከል ምርምር ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ [ኢትዮጵያ] ነቶም ሓሳኹ ከም ዘምጽኦም ይሕብር።

እቲ ውልቀ-ሰብ የካይዶ ዝነበረ ምርምር ምስ ወደአ ድማ 150 ሕንዚዝ ከም ዝተረከቡ'ዩ ዘረድእ።

"ብርሃን ጸሓይ ስለዘይፈትዉ ብለይቲ ኢና ናብዚ ኣምጺእናዮም" ይብል ነቲ ኩነታት ብምዝካር።

በቲ ሽዑ እዋን እቶም ሕንዚዝ ምስ ሓድሽ ከባቢ ክለማመዱ ምግባር ፈታኒ ከም ዝኾኖም ዝሕብር ዶክተር ጌታቸው፡ በዚ ምኽንያት ዝተወሰኑ ምሟቶም ገሊጹ።

እናተራብሑ ብምምጽኦም ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ብዝሖም ልዕሊ ክልተ ሽሕ በጺሑ ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን'ውን ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግመት።

እቶም ሕንዚዝ ክበሩ ዘይክእሉ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ምንቅስቓሶም'ውን ሓጺር ርሕቀትን ኣብ ለይቲ ጥራሕ ዝተገደበን እዩ።

እቲ ተበሲዑ ዝነበረ ናሕዚ ንኢሽተይ ብምንባሩ ብቕልጡፍ ጽገና ከም ዝተገበረሉ ዝዛረብ ዶክተር ጌታቸው፡ ብዝሓሸ መልክዑ ነቲ መንበሪ ንምህናጽ መደብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣይተ በልሰቲ ብወገኑ "ናሕሲ እንተዘይህሉ'ውን ኣይኸዱን [ኣይነፍሩን]፡ ብዘይ 'እምቦጭ' ክነብሩ ኣይኽእሉን። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተጸሓፈን እቲ ሳይንስን ኣይራኸቡን" ኢሉ።

ውጽኢታውነት 'ዊቪል'

እቶም ሰብ ሞያ ከም ዝገለጹልና፡ ኣብ ዩጋንዳ ቅድሚ 20 ዓመት ጻህያይ 'እንቦጭ' ተኸሲቱ ነይሩ። ነዞም ዓይነት ሕንዚዝ ብምጥቃም ከኣ ውጽኢታዊ ስራሕ ሰሪሖም።

ነዚ ተሞክሮ ንምርኣይ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ኪኢላታት ናብ ዩጋንዳ ከይዶም ምንባሮም'ውን ዶክተር ጌታቸው ይዛረቡ።

እቶም ሕንዚዝ ካብ መንበሪኦም እንተወፅኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት እጽዋት ዘብጽሕዎ ጉድኣት የለን ይብሉ እቶም ሰብሞያ።

ስለዝኾነ እቶም ነፍሳት ናብ ናይ ሓረስቶት ሕርሻ ይኹን ካልኦት ተኽልታት ብምኻድ ዘብጽሕዎ ጉድኣት የለን።

ኣንስተይቲ 'ዊቪል' ንጉንዲ እንቦጭ ብምስርሳር ክሳብ 5 እንቋቑሖ ተውድቕ። ሽዑ እቲ እንቋቑሖ ናብ 'ላርቫ' ይቕየር። እቲ ላርቫ ነቲ ጉንዲ ብውሽጥን ደገን ጉድኣት የብጽሓሉ።

ስለዚ እቶም ዓበይቲ ሕንዚዝ ብደገ፡ እቶም ላርቫ ድማ ብውሽጢ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ እቲ ጻህያይ ጉድኣት ስለዘስዕቡ፡ ኣብ ምጥፍኡ ዓብይ ስራሕ ይሰርሑ።

"ነቶም ሓሳኹ ክትጥቀም እንተኾይና ፍቓድ ክንረክብ ኣለና" ዝብል ዶክተር ጌታቸው፡ ንዝምልከቶ ኣካል ሕቶ ከም ዝቐረበ ይዛረብ።

ፍቓድ ምስ ተረኸበ ድማ ኣብ ዝተመረጹ ኣርባዕተ ቦታታት ብበዝሒ ክራብሑ ክግበር እዩ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብ ስራሕ ንምእታው መደብ ከም ዝተትሓዘ ድማ ኣይተ በልስቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።