ብከላ ኣየር፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ከስዕብ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዝዩ ልዑል ንዝኾነ ብከላ ኣየር ዝቃልዑ ቆልዑ ንልዕሊ ዓቕን ርጎዲ ከምኡ’ውን ንሓደጋ ኣዝማ ከምዝሳጥሑ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ዘለዎም ቆልዑ 79 ሚኢታዊት ንኣዝማ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣጋጣሚ ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ።
ኣብ ሞንጎ ብከላ ኣየርን ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ርክብ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኩነታት ብዝለዓለ ደረጃ ዝተረኣየለ ህንዳዊት ከተማ ደልሂ ኮይና፤ እታ ከተማ በቢዓመቱ ከቢድ ብኽለት ከምዘጋጥማ ይፍለጥ።
እቲ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ኣዝማን ምስ ብኽለት ኣየር ዘለዎም ምትእስሳር ዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ህንዲ ንፈለማ እዋን’ዩ ተኻይዱ።
ንነዊሕ ጊዜ ንዝተበከለ ኣየር ዝተቓላዕኻ ምዃን ኣብ ስርዓት ኣተነፋፍሳ ጸገም ከኸትል ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ከጠንቅቑ ምጽንሖም ይፍለጥ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ቆልዑት ዝለዓለ ጠንቂ ከምዝኾነ ይሕብሩ።
ፋውንዴሽን ክንክን ሳንቡእ [‘ላንግ ኬር ፋውንዴሽን’] ነቲ መጽናዕቲ ካብ ዘካየዱ ትካላት ሓደ ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጢ 12 ኣብያተ ዝርከቡ 3 ሽሕን 157 ህጻናት ኣብ መጽናዕቱ ተኸታቲሉ።
እቶም ህጻናት ካብ ከተማ ደልሂ ከምኡ’ውን ዝሓሸ ኣየር ኣለወን ካብ ዝባሃለ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ዝርከባ ከተማታት ኮታያምን ማይዱሩን እዮም ተሓርዮም።
ኣብ ከተማ ደልሂ ካብ ዝርከቡ ህጻናት 39.8 ሚኢታዊት ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ (ህዝርጥና) ከምዘለዎም ከረጋግጽ ከሎ፤ ኣብተን ናይ ደቡባዊ ህንዲ ከተማታት ግን 16.4 ሚኢታዊት ጥራይ ነዚ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ህንዲ ሓንቲ ካብ ሞንጎ ኣብ ዓለም ንብከላ ኣየር ዝተቓልዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ።
‘ፑልሞኬር ሪሰርች ኤንድ ኤጁኬሽን’ ናይ ዝተባሃለ ካልእ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ትካል ዳይሬክተር ዝኾነ ዶክተር ሱንዲፕ ሳልቪ፡ ንጹህ ዘይኮነ ኣየር ምስሓብ ኣብ ህጻናት ዘይተደላዪ ርጉዲ ከኸትል ከምዝኽእል ይዛረብ።
እቶም ኣብ ኣየር ዝርከቡ ብከላ ዘኸትሉ ነገራት ኣብ ውሽጦም ‘ኦብሶጅንስ’ ዝበሃሉ ኬሚካላት ከምዝስከሙ ድማ የረድእ።
“ዝኾነ ሰብ ዝተበከለ ኣየር ክስሕብ ከሎ እቶም ‘ኦብሶጂናት’ ናብ ሰብነት ይኣትዉ። እዚ ከኣ ንልዕሊ ዓቐን ክብደት/ርግዲ ጸገም የኸትል” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ህጻናት መጠን ዝስሕብዎ ኣየር ዝለዓለ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ዓበይቲ ብዝበለጸ ነቲ ብሰንኪ ብኽለት ዝስዕብ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ሕማም ኣዝማን ዝተቓልዑ ምዃኖም እቲ ዶክተር ይገልጽ።
እቶም ኣብ ከተማ ደልሂ ዝነብሩ ተምሃሮ ንኣዝማ “ብዝለዓለ ደረጃ ተቓላዕቲ” ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ወትሩ ንብዓት ዝቛጽር ዓይኒ፣ ሰዓልን ዕንፍሩርን ይረኣዮም።
ካብቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝተዳህሰሱ ህጻናት ደልሂ፡ ኣብ ኩነታት ኣተነፋፍስኦም ብዝተገበረሎም ምርመራ እቶም 29.3 ሚኢታዊት ጸገም ምስትንፋስን ኣዝማን ተረኺብዎም’ዩ።
ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ከኣ፤ ነቲ ጉዳይ ቆልሕታ ንምሃብ “ዓይኒ ዝኸፍት ውጽኢት” ተባሂሉ።
ንብኽለት ኣየር ምቅላዕ ንረኽስታት ስርዓተ ምስትንፋስ፣ ኣዝማን ልዕሊ ዓቐን ርጉዲን ከምዘቃልዕ እቲ ኣብ ህጻናት ደልሂ ዝተኻየደ ምጽናዕቲ መረጋገጺ ኮይኑ’ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







