እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 5 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ: ኢትዮጵያ: ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 5 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሓቢሮም።
ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ዞባ መተከል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ 'ባጃጅ' (ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ተሽከርካሪት) ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት ክልተ ከምዝቖሰሉ እቶም ሰብመዚ ናይቲ ከባቢ ጠቒሶም።
እቶም ግዳያት ካብ ዶቢ ዝተባህለ ከባቢ ናብ ከተማ ቡለን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ምዃኖም ዝገለጸ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ፖሊስ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ዝቖሰሉ ናብቲ ኣብ ከተማ ቡለን ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ'ውን እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣብዲ ጎረና ሓቢሩ።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓልሞያ ሕክምና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ቁሱላት ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ምህላዉ ኣረጋጊጹ።
ሬሳ ናይቶም ግዳያት ናብ ዶቢ ከምዝተወስደ'ውን እቶም ዝቖሰሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።
"እቶም ዕጡቓት ኣብ መንገዲ ኣድብዮም ጸኒሖም፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ንጓዓዘላ ዝነበርና ባጃጅ ተዂሲ ብምኽፋት ነቲ ቅትለት ፈጺሞሞ" ክብል ሓደ ካብቶም ዝቖሰሉ ሰባት ተዛሪቡ።
ካብቶም ዝሞቱ ዘዋሪ ናይታ ተሽከርካሪት ከምዝርከቦም'ውን ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ብቐጻሊ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ክፍጸም ምጽንሑን፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐትሉን ይፍለጥ።