እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቶኒ ብሌር፡ ምስሓብ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኮኒኑ
ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ነበር፡ ቶኒ ብሌር፡ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 'ዘየድልን መሕዝንን' እዩ ኢሉ።
ቶኒ ብሌየር፡ ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝኾነት ካቡል ምስተቖጻጸረ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።
ንሱ፡ ኣብ ርእይትኡ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስሃብ ‘ዘሕዝን፣ ሓደኛን ዘየድልን’ ክብል ኮኒንዎ።
ኣመሪካ፡ ቅድሚ ዒስራ ዓመታት፡ ኣብ መስከረም 9/11 መጥቃዕቲ ምስተፈነዋ፡ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢራ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር መንግስቲ ጣሊባን ሰራዊታ ዘዋፈረት ኮይና ፡ ኣብ’ዚ ዓመት እያ ሰራዊታ ጠቕሊላ ተውጽእ ዘላ።
ኣብቲ እዋን ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ዝነበረ ቶኒ ብሌየር፡ ኣመሪካ እቲ ሕዚ ዝወሰደቶ፡ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ናይ ምስሓብ ስጉምቲ፡ “ናይ ዘልኣለም ኲናት ምውዳእ” ብዝብል ዘየድሊ ጭርሖ ብምኽታል ዝተወሰነ እዩ” ኢሉ።
ናይ’ቲ ጥሙር ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብታ ሃገር ምውጻእ ንጅሃዳውያን ‘ፌሽታ’ እዩ ክብል ድማ ተስተውዒሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝደልዩ ጠቅሊሎም ክሳዕ ዝወጽኡ፡ ብሪታንያ ኣብኡ ናይ ምጽናሕ ናይ ሞራል ሓላፍነት ኣለዋ ክብል’ውን ተዛሪቡ።
“ሓላፊነት ዝነበሮም ሰባት ክነውጸኦምን ክንሕልዎምን ንግደድ ኢና። ኣብ’ቲ እዋን ምሳና ኣብ ጎንና ደው ዝበሉን ዝሓገዙናን፤ ብግደኦም ኣብ ጎኖም ደው ክንብል ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎም” ድማ ኢሉ።
እዚ ካብ ነስሐ ዝብገስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ሰብኣዊነትን ካብ ሓላፍነትን ምውሳድን ዝምንጩ ስለዝኾነ ክትግበር ኣለዎ -ኢሉ።
ወተሃደራት ካብ ኣፍጋኒስታን ንምስሓብ ዝተገብረ ውሳነ፡ ካብ ፖለቲካ ዝምንጩ እዩ ዝበለ ቶኒ ብሌር፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ፡ ‘መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት’ ብዛዕባ ዝብል ሓረግ ኣብ ርእይትኡ ኣስፊሩ፥
“ከምኡ ምግባር ኣየድልን ነይሩ፤ ግን ድማ ንሱ መሪጽና ፤ ኮይኑ ድማ” ኢሉ።
ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣፍጋኒስታን ጌጋታት ከምዝተፈጸሙ ዝኣመነ ቶኒ ብሌየር፡ “ዘይምዕዳል ኮይኑ፤ ሕዚ’ውን ነቲ ጌጋ ንምእራም ዝተኸየደ መገዲ ካልእ ዝተጋገየ መገዲ እዩ” ኢሉ።
“ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተረኸቡ ጽቡቓት ለውጢታት ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሰፊሕ ዕድል ኣሎ” ኢሉ።
እቲ ናይ ምውጻእ ውሳነ፡ “ኣብ ዓለም ንዘለዉ ጉጅለ ጂሃዲስታት ብታሕጓስ ዘዝልል እዩ” ድማ ኢሉ።
በዚ ‘ዝተጋገየ’ ዝበሎ ውሳነ ድማ፡ ሩስያ፣ ቻይናን ኢራንን ተጠቀምቲ ምዃነን ተዛሪቡ።
ድሕሪ ሕዚ ካብ ምዕራባውያን ዝኣቶ መጽበዓ፤ ኣይክእመንን፤ ብጥርጣረ እዩ ክረአ ክብል ድማ ወሲኹ።
እዚ ወርሒ መወዳእታ፡ ኣመሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ወተሃደራታ ካብ’ቲ ዓዲ እተውጽአሉ እዋን እንተኾነ’ኳ፡ ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ካብ’ቲ ዝተሓስበ ንላዕሊ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ፕረዚድነት ባይደን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ጆ ባይደን “ዝኾነ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝደሊ ኣመሪካዊ ክምለስ ክንገብር ኢና” ብማለት ቃል ዝኣተወ ኾይኑ፡ እንተኾነ፡ “ኣብ ታሪክ ካብቶም ኣጸገምቲ ሰባት ብኣየር ናይ ምግዓዝ [በረራታት] ክስተት” ሓደ ከምዝኾነ ገሊጹ።