ኣመሪካ፡ ኣይኤስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል መጥቃዕቲ ክፍጽም ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ

ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ኣካል ኣይኤስ [ዳዕሽ] ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል መጥቃዕቲ ክፍጽም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ ኣጠንቂቓ።

ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ‘ናይ ድሕነት ስግኣት’ ከምዘሎ ዝሓበረ፡ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተውሃበ እዚ ናይ ድሕነት መጠንቀቕታ፡ ዜጋታታ ካብ'ቲ ከባቢ ክርሕቑ ኣጠንቂቑ።

ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ክኸዱ ዝግባእ ሰባት ብመገዲ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተነግሮም ጥራይ ክኸውን ከምዝግባእ ኣብቲ ናይ ድሕነት መጠንቀቕታ ሓበሬታ ተገሊጹ።

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣመሪካ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሎ ምዕባለ ይከታተሎ ከምዘሎን ኣማራጺ መውጽኢ መገድታት ይርኢ ከምዘሎን ሓቢሩ።

እቲ ብኣመሪካ ዝወጽአ መጠንቀቕታ ብዝምልከት ዛጊድ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተውሃበን፤ እቲ እስላማዊ ጉጅለ’ውን ንዕኡ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዕላዊ መግለጺ የለን።

እቲ ትማሊ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ መጠንቀቕታ ቀዳም ዝተውሃበ፡ ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስተቖጻጸሩ ኣብ ጥቓ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘጓንፍ ዘሎ ዕግርግርን ናይ ኣሸሓት ምጽቕቓጥን ስዒቡ እዩ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ እታ ሃገር ግስጋሰ ከርኢ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ምቁጽጻሩ ይዝከር።

ብዙሓት ሰባት፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ብምትስፋው፡ ኣብ ጥቓ እቲ መዕርፊ ነፈርቲ ተኣኪቦም ይጸቓቐጡ ኣለዉ።

ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰርሑ ዝጸንሑን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክነጥፉ ዝጸንሑ ዜጋታተት እታ ሃገር፡ ጣሊባን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስደሎም ይፈርሑ።

ትማሊ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እንታይ ኣጓኒፉ?

ኣብታ ሃገር፡ ወኪል ስካይ ኒውስ፡ ስቶርት ራምሳይ፡ ካብ መንጎ እቶም በኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ’ ኣፍደገ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ሰባት፡ ገለ ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ንሓደጋ ሞት ከምዘተቓልዑ ይዛረብ።

ገለ ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ካብቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣሸሓት ንገለ ስሒቦም ከድሕኑ ተራእዮም።

ገለ ሰባት ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ጉድኣት ከምዘጓነፎም ብምግላጽ፡ እቲ ተጓንፎ ዛጊድ እቲ ዝኸፍአ እዩ ኢልዎ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ መብርሂ ከምዝተሓበረ፡ 2500 ኣመሪካውያን ዝርከብዎም 17 ሽሕ ሰባት ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ወጺኦም ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ክወጽኡ ዝፈተኑ ኣመሪካውያንን ኣፍጋኒስታንን ምንክልባት ከምዝበጽሖም ሓደ በዓል ስልጣን ተዛሪቡ።

ቃል ወሃቢ ሚነሲእተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ግን፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘጓንፍ ዘሎ ምጽቕቓጥ ንምትራፍ መምርሒ ከምዘውጸአ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምስ ሕድሕድ ኣመሪካዊ ዜጋ ምዝርራብ ዘኽእሎ ናይ ርክባት መገዲ ከምዝዘርግሑ’ውን ገሊጹ።

ካልኦት ሃገራት’ውን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታቶም መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

ጀርመንን ስዊድን ኣብ’ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዘሎ ናይ ድሕነት ጸገም ኣመልኪቶም ንዜጋታቶም መጠንቀቕታ ካብ ዘውጽኡ ሃገራት ገለ እዮም።

ንግዚኡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝተቖጻጸርዎ ኾይኑ፤ ንዜጋታት ኣመሪካን ካልኦት ንድሕነቶም ዝሰግኡን ሰባት ብቻርተርድ በረራ ከውጽኡ እናሓገዙ ይርከቡ።

እንተኾነ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ 31 ካብቲ ከባቢ ክተወጽእ ምዃና ዝዝረብ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ከምዘጋጥም ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ኪዳን ኣትላንቲክ [ኔቶ]፡ ጄንስ ስቶልተንበርግ ግና፡ ብድሕሪኡ’ውን እንተኾነ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢዶም ክጸንሕ ገለ ሃገራት ይሓታ ከምዘለዋ ሓቲቱ። ካብኣተን ሓንቲ፡ እንግሊዝ ትርከብን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዮሴፍ ቦሬል፡ ኣመሪካ ክሳብ እቲ ዕለት ኩሎም እቶም ክወጽኡ እትደልዮም ወዲኣ ክተውጽእ ዝሕሰብ ኣይኮነን ኢሉ።

ትማሊ ኣላባማ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ምስሓብ ወተሃደራት ኣመሪካ ብምንቃፍ፡ “ካብ ሓደ መራሒ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ስንፍና ክረአ ዝገርም እዩ” ክብል ነቒፉ።

ቅድሚ 20 ዓመታት ናብታ ሃገር ወተሃደራት ዝለኣኸ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ዝነበረ ቶኒ ብሌር ብወገኑ፡ እቲ ምስሓብ ወተሃደራት ‘ኣዝዩ ሓደገኛን ኣድላይ ዘይኮነን’ ክብል ነቲ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን ዝተወስደ ስጉምቲ ነቒፉ።

ኣብ መግለጺኡ፡ እንግሊዝ ኩሎም ዝሰግኡ ሰባትን ዜጋታትን ክሳብ ዝወጽኡ፡ ወተሃደራታ ኣብኡ ናይ ምጽናሕ ግዴታ ኣለዋ ኢሉ።

ሓይሊታት ጣሊባን ከ?

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ጣሊባን ነታ ርእሰ ከተማ ካብ ዝቆጻጸሩ ንነጀ ስልጣኖም የጠናኽሩ ኣለዉ።

ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ጉጅለ ዝኾነ፡ ሙላህ ኣብዱል ጋኒ ባራዳር፡ ናብ ካቡል ኣምሪሑ ኣብ ምስረታ ሓድሽ መንግስቲ ይዘራረብ ከምዘሎ ይዝረብ።

ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ እቲ ዝለዓለ ተፈላጥነት ዘለዎ ሰብ ኮይኑ፡ መራሒ እታ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ከመዘሎ ይዝረብ።

ሓደ በዓል ስልጣን ንሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ጣሊባን ክምስርትዎ ዝህቅኑ ዘሎ መንግስቲ ከም’ቲ ምዕራባውያን ‘ዲሞክራስያዊ’ ዝብለዎ ዓይነት እንተዘይኮነ’ኳ፡ መሰል ሕድሕድ ዜጋታት ዘኽብር ክኸውን እዩ።

ሚስተር ባራዳር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ወተሃደራቱ ካብታ ሃገር ንከውጽእ ዝተፋራረመ መራሒ ጣሊባን እዩ።