ኣትሌቲክስ፡ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ቶክዮ ከይሳተፉ ተሓቲቱ ምንባሩ ኣቃሊዑ

ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣትሌታት ኣብ እዋን ውድድር ናይ ተቓውሞ ምልክት ከርእዩ ስለዝኽእሉ ካብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ክተርፉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ምንባሩ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፤ ኣብቲ ቅድሚ መዓልታት ዝተዛዘመ ውድድራት ኦሎምፒክ፡ ኢትዮጵያ ዝተሓተ ውጽኢት ሒዛ ብምምላሳ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።

ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፤ ሓደ ነቲ ካልእ ተሓታቲ ብዘይምግባር እቲ ትጽቢት ዝግበር ዝነበረ ውጽኢት ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ ይቕሬታ ንሓትት ኢሉ ፕረዚደንት እቲ ኮሚቴ ዶክተር ኣሸብር ወልደጊወርጊስ።

"ንቶኪዮ ሰፊሕ ምድላው ኢና ጌርና። መንግስቲ'ውን ካብ ካልእ እዋን ብዝሓሻ ደገፍ ገይሩልና እዩ። ኣትሌታትና ንነዊሕ እዋን ክነዳልዎም ኪኢልና ኢና። ህዝብናን መንግስትናን ብዝተጸበይዎ መልክዑ ውጽኢት ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ ግን ሓዚንና ኣለና" ኢሉ።

ነዚ ድማ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ይቕሬታ ከምዝሓቱ ብምግላጽ፡ "ኮሚቴ ኦሎምፒክ ካባና ትጽቢት ዝግበር ኩሉ ሰሪሕና ኢና። ክንውቀሰሉ ዝግባእ እጃም እንተሃለወና'ኳ ኢድ ምጥቑቛም ግን ጽቡቕ ኣይኮነን" ክብል ነቲ ካብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክስታት ነጺጉ።

እንተኾነ እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ሽዑ እዋን፤ እቲ ሓበሬታን ሓሳብን ሓቅነት የብሉን ክብል ነቲ ዝቐረበሉ ሓሳብ ከምዝነፀጎ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

"ሰብ ሞያ ምሳና እናሃለዉ ዘይምልከቶም ኣካላት ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ተሳትፎ ገይሮም፤ መሪጽና ዝለኣኽናዮም ኣትሌታት ካብ ኣፍልጦና ወጻኢ ብኻልኦት ኣትሌታት ተኪኦም ልኢኾም" ክብል ነቲ ኮሚቴ ይነቅፍ።

"ምልክት ተቓውሞ ከየርእዩ"

ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣይተ ገዛኸኝ ወልዴ፤ ብዙሓት ዝተጸበይዎ ውጽኢት ክመጽእ ዘይገበሩ ዝበሎም ሰለስተ ዓበይቲ ምኽንያታት ኣብቲ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣትሌታት ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ኣብ እዋን ውድድር ናይ ተቓውሞ ምልክት ከርእዩ ስለዝኽእሉ ክተርፉ ዝጠልብ ሓሳብ ድማ ሓደ ካብቶም ዘቐመጦም ምኽንያታት ከምዝኾነ ገሊጹ።

"ሓደ መንግስታዊ ኣካል 'ኣትሌታታት ትግራይ ኣብዚ ውድድር ኣድላዪ ዘይኮነ ተግባር ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም' ክዝብል ንኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ" ኢሉ እቲ ምኽትል ዋና ጸሓፊ።

እንተኾነ እቲ ኮሚቴ፤ እቲ ሓበሬታ ሓቅነት የብሉን ብምባል ከምዝነጸጎ ሓቢሩ።

ምናልባት'ውን ዕላማ እዚ ሓበሬታ፡ እቶም ኣትሌታት ዘይቅኑዕን ቅድሚ ሎሚ ሓሲቦምዎ ዘይፈልጡን ነገር ሓሲቦም "ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ተቓውሞ ንከቕርቡ ዘለዓዕል ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኣብ ዝብል ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ድማ ኣዘኻኺሩ።

"ብኻልእ ገጽ ከኣ እቶም ኣትሌታት በዚ ተቖጢዖም ከይወዳደሩን ውጽኢት ንኸይርከብን ዓለመ እዩ ብምባል ኮሚቴ ኢሎምፒክ ኢትዮጵያ ነቲ ሓላፍነት ወሲዱ ሰሪሑ'ዩ" ኢሉ።

ስለዝኾነ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኣብዚ ጉዳይ ምጽራይ ገይሩ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ክገብር ድልየት ኮሚቴኦም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዝወዳደሩ ኣትሌታት ሓሪኻ ናብቲ ውድድር ምልኣኽ ሓላፍነት ናይቲ ኮሚቴ እንከሎ፤ ነዚ ስራሕ ዘይምልከቶም ኣካላት ክፍጽሙ ምፍታኖም ከም ካልኣይ ምኽንያት ዝተሓተ ውጽኢት ዘቐመጠ እቲ ምኽትል ዋና ጸሓፊ፤ ንኹነታት ኣየር ቶኪዮ ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ዘይምግባር ከኣ ሳልሳይ ምኽንያት ኢልዎ'ሎ።

"ኩነታት ኣየር ቶኪዮ ውዑይን ራህዲ ዘለዎን ከምዝኾነ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ኣትሌታትና ተመሳሳሊ ኩነታት ኣየር ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ሃገርና ልምምድ ክገብሩ ኣለዎም ብዝብል፤ ኮሚቴና ካብ ኣሰልጠንቲ፣ ምስ ሰብሞያ ሕክምናን መሪሕነትን ዝተወጻጽአ ኮሚቴ ብምውዳብ ናብ ሃዋሳ'ኳ እንተልኣኸ፤ ረብሓ ብምድላይ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ኣብ ሃዋሳ ከይዳለዉ ተገይሩ'ዩ" ክብል ነቲ ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ኣብሪሁ።

ንሱ ከምዝበሎ ሰብሞያ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ነዚ ዝምልከት ሕቶ ብተደጋጋሚ እንተቕረቡ'ውን ዝሰምዕ ኣካል ግን ኣይተረኸበን።

"ስለዚ ነቲ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝመሳሰል ቦታ ምድላው ብዘይምግባርና፤ ኣብ ማራቶንን ስጉሚን ንኽወዳደሩ ካብ ዝለኣኽናዮም ሸውዓተ ኣትሌታት እቶም ሽድሽተ ኣቋሪጾም ወጺኦም" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 1 ወርቂ፣ ሓደ ብሩርን ክልተ ነሓስን ጥራሕ ብምሓዝ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፋ ሃገራት መበል 56 ደረጃ ሒዛ ከምዝዛመት ይዝከር።

እዚ ውጽኢታ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ዘመዝገበቶም ዓወታት እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።