ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ኬንያዊት ኣትሌት ፔሬስ ጄፕቺርቺር ኣብ ውድድር ማራቶን ተዓዊታ

ኬንያዊት ኣትሌት ፔሬስ ጄፕቺርቺር ኣብቲ ጃፓን ዘእንገደቶ ኦሎምፒክ ቶኪዮ-2020 ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ውድድር ማራቶን ኮይና።

ንሳ ነዚ ዓወት ክትበቅዕ ዝኸኣለት ነታ ክብረወሰን ዓለም ሒዛ ዝጸንሐትን ጓል ሃገራ ዝኾነትን ብሪጊድ ኮስጊ ብምቕዳም’ዩ።

ኮስጊ ካልኣይ ክትወጽእ ከላ ኣሜሪካዊት ሞሊ ሲደል ከኣ ተዓዋቲት መዳልያ ነሓስ ክትኸውን በቒዓ።

ንኢትዮጵያ ዝወከለት ኣትሌት ሮዛ ደረጀ ንሞሊ ብምስዓብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ።

ብምኽንያት ዝነበረ ለውጢ ከባቢ ኣየር [ክሊማ] እቲ ውድድር ማራቶን ካብ ቅድም ክብል ክካየደሉ ዝተሓሰበ ጊዜ ብሓደ ሰዓት ክቕድም ከምዝተገበረን ካብ ካብ ከተማ ቶኪዮ ናብ ካልእ ቦታ ተቐይሩ ከምዝተኻየደን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ታሪኽ ማራቶን ዓለም ዝቐልጠፈ ሰዓት ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ካብ ሞንጎ ዝተሰርዓ ደቂኣንስትዮ ሰለስቲኤን ኬንያውያን ኮይነን ኣለዋ።

ኣብቲ ውድድር ኬንያውያን ጄፕቺርቺርን ኮስጊን ምስ ኣሜሪካዊት ሲደልን እስራኤላዊት ሎና ቼምታይ ሳልፒተር ብምዃን ናብ ቅድሚት ወጺኤን ነቲ ውድድር ክመርሓ ጸኒሔን ነይረን።

እንተኾነ ክልቲኤን ኬንያውያን ናብ ቅድሚት ምስተፈለያ እቲ ውድድር ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ኣብ ዝተረፎ እስራኤላዊት ሳልፔተር ክትወጽእ ተገዲዳ።

እታ ብ2019 ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ቺካጎ ነቲ ን16 ዓመታት ብእንግሊዛዊት ፓውላ ራድክሊፍ ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ዝሰበረት ኬንያዊት ኮስጊ ኣብ ማራቶን ለንደን ክልተ ጊዜ ከምዝተዓወተት ይዝከር። ኣብዚ ናይ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ድማ ካብ ጓል ሃገራ ብ 16 ሰከንድ ድሒራ ካብ ሴዲል ድማ ብ10 ሰከንድ ቀዲማ ካልአይቲ ክትወጽእ ኪኢላ።

ብሓፈሻ 14 ኣትሌታት ነቲ ውድድር ማራቶን ከይዛዘማ ምትራፈን ተገሊጹ’ሎ።