ኢትዮጵያ፡ ዓይነ ሰዉር ሰኣላይ ዓብዱ ሰይድ

‘‘ቁሩብ ዝንብል በል፤ ክምስታ ውስኽ ኣብል’’ ወይ እውን ‘‘ቅንዕ በል’’ ዝብሉ ምልልሳት፡ ፎቶ ግራፍ ክንሰኣል ኣብ እንዳ ስእሊ ኬድና እንሰምዖም ልሙዳት ዘረባታት እዮም።

ጽቡቕ ስእሊ ንምውሳድ ከኣ ሰኣልቲ ሓፍ ከፍ፣ ጉምብሕ ጥልዕ ክብሉ ክትርእዩ ባህርያዊ እዩ።

ካብ ዝጥዕሞም ኩርናዕ ድማ ቃታ ካሜርኦም ይስሕቡ። ነዚ ዝገብሩ ግን ነቲ ኩነታት ብዓይኖም እናተኸታተሉ፡ ኣእምሮኦም ውሳነ ኣብ ዝህበሉ ሰዓት እዩ፡፡

ናይ ዓይነ ስውር በዓል ሞያ ስእሊ ዓብዱ ሰይድ ግን ካብዚ ዝተፈለየ እዩ። ሰኣሊ ዓብዱ ኢትዮጵያዊ እዩ።

ነታ ፎቶ ዝወስደላ ህሞት ዝውስና ብእዝኑ እዩ፤ እወ ብእዝኑ!

ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ብርሃን ዓይኑ ዝሰኣነ ዓብዱ፡ ‘‘ንሱ ድዩ ስኢልዎም!’’ ዘብሉ ብዙሓት ፎቶታት ስኢሉ እዩ፡፡

‘‘ብእዝኑ ዝርይ’’ ሰኣላይ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ዓብዱ፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ ብርሃን ዓይኑ ብኽፋል ስኢሉ፡፡

ድሕሪ ግዝ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ምርኣይ ስኢኑ፡፡ ሰበታ ኣብ ዝርከብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራት ትምህርቱ ተኸታቲሉ፡፡

ኣብ 10ይ ክፍሊ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ዓይነ ስውር ክሳብ ዝኸውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝረኣዮም ፎቶታት ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዝተረፉ ይገልጽ፡፡

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከኣ፡ ብቋንቋን ስነ-ጽሑፍን ተመሪቑ፡፡

ድሕሪኡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ርክብ ህዝቢ ክሰርሕ ጀሚሩ፡፡ ዝተቖጸረሉን ሕዚ እውን ዝሰርሐሉ ዘሎ ዓውድን ብሪፖተርነት'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣጋጣሚ ግን ምስ ካሜራ ክላለ ዕድል ፈጢሩሉ፡፡

‘‘ሪፖርተር ስለ ዝነበርኩ ምስ ካሜራማናት ናይ ምውጻእ ዕድል ነይሩኒ" ብምባል ድሕሪኡ ካሜራታት ምትንኻፍ፣ ምስ ካሜራታት ናይ ምፍላጥ ኣጋጣሚ ምርካቡ ይዝክር፡፡

‘‘እቲ መሳርሒ (ናይ ፎቶ ካሜራ) ምርኣይ ንዝኽእሉ ተባሂሉኳ ዝተሰርሐ እንተኾነ፡ ኣነ እውን ንባዕለይ ዝኸውን ነገር ረኺበሉ’’ ዝብል ዓብዱ ዝተፈላለዩ ከፍልታት ካሜራ ብምድህሳሰን ንሰባት ብምሕታትን ክርዳእ ጀሚሩ፡፡

‘‘እቲ ዝዓበየ ዝጥቀመሉ መሳርሒ እዝነይ እዩ’’ ዝብል ዓብዱ፡ ፎቶ እንተልዕል ነቶም ዝለዓሉ ሰባት ዝተፈላለየ ሕቶታት ከም ዝሓትት ይዛረብ፡፡

እዚ ድማ እቲ ስእሊ ዝሰኣል ሰብ መልሲ እንትህብ ንድምጹ ተኸቲሉ ንፎቶ ድሉው ምዃኑ ንምርዳእ እዩ፡፡

‘‘ክስእሎ ንዝደለኹ ነገር፡ ፈለማ ብምንካእ እየ ቁመቱ ዝፈልጦ፡፡ እቲ ዝስእሎ ህንጻ እንተኾይኑ ድማ ቁመቱን ክንደይ ደብሪ ከም ዘለዎን ሓቲተ ብምግማት ይርዳእ’’።

ሰብ እንተኾይኑ/ና ግን ኣብ ቅድሚተይ ደው ኣቢለ የዛርቦ/ባ፡፡ ቀልቦም ናባይ ክኸውንን ድምጾም ክስመዓንን ሽሞም ይሓቶም፡፡ ከምኡ እየ ዝጥቀም’’ ይብል፡፡

ዓብዱ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ናይቶም ስእሊ ዝሰኣሉ ሰባት ስምዒትን ኩነታትን ብእዝኑ ይርዳእ፡፡

ብሓጺሩ እናሰኣለካ ገጽካ ተረዲኡ ‘‘ፍሽኽ በል’’ ክብለካ ይኽእል እዩ፡፡

‘‘እቲ ፎቶ ዝሰኣል ሰብ ካብ ዘውጸኦ ድምጺ ብዙሕ ነገር ይርዳእ እየ’’ ይብል፡፡

ቢቢሲ እስኪ ንፈትን፤ ሓደ ሰብ ንስኻ ስእሊ ክትስእሎ ደልዩ፡፡ ከይረአኻዮ ገጽትኡ ከመይ ኢልካ ትርዳእ?

ዓብዱ፡ ኣብ ቅድመይ ደው በል ይብሎ፡፡ መጀመርታ ሽምካ መን እዩ ይብሎ ወይ ኣነ እንታይ ይገብር ኣለኹ ይብሎ፡፡ ሽዑ ዝወጽእ ናይ ድምጺ ምንቅስቓስ ኣሎ፡፡

ድሕሪኡ ገጽ ምእሳሩጉ፤ ምስሓቑ ወይ እውን ኣብ ዝኾነ ስምዒት ምህላዉ ኣነ ይርዳእ፡፡ ሽዑ ጽውግ እንተኢሉ/ላ ፍሽኽ በል/ሊ ይብሎም ወይ እውን ፎቶ እንትስእሉ ዝጥቀሙሎም ቴክኒካት ኣለዉ ሓቀይ? ክስሕቁ ወይ ዝኾነ ነገር ክገብሩ ይዛረብ እየ፡፡ ክምስ ክብሉ ዝገብሩ ቃላት ይጥቀም

ብተወሳኺ ናይቲ ምስሊ ጽርየት (focus)፣ ሕብርን ፍሬሙን ትኽክል ምዃኑ ንምፍላጥ ድምጺ ከም ዝኽተል ዝገልጽ ዓብዱ ‘‘ብዙሕ ልምዲ ስለ ዘለኒ ዒላማይ ኣይስሕትን’’ ክብል ይገልጽ፡፡

ኮይኑ ግና ድምጺ ብትኽክል ንምርዳእን ስእሊ ንምስኣልን ዝኸብዶ ኩነታት ኣሎ፡፡

ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ብድምጺ መጉልሂ ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት፡ እቲ ዝዛረብ ሰብ ኣበይ ከም ዘሎ ንምርዳእ ከምዝጽገም ይዛረብ፡፡

ኮይኑ ግና ዓብዱ ነዚ መፍትሒ ኣይስእነሉን፡፡ ሓደ መዓልቲ ዘጓነፎ ይዝክር፡፡ ፎቶ ክስእል ናብ ሓደ ኣዳራሽ ኣተወ፡፡

‘‘እቶም ኣብ መድረኽ ዘለዉ ዓይነ ስዉር ምዃነይ ኣይፈልጡን፡፡ ኮነ ኢለ፡ ስእሊ ክስእል ኣለኒ ብምባል እየ ኣትየ፡፡ እቲ ድምጺ ካብ የማንን ጸጋምን ስለ ዝመጽእ ግን እቲ ኣካቢ ኣበይ ከም ዘሎ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን፡፡ ነቲ ኣብ ጥቓይ ዘሎ ሰብ ነቲ ማይክራፎን ከም ምብራህን መጥፋእን ግበሮ ኢለዮ፡፡ ሽዑ እቲ ሰብኣይ ብዘይ ማክራፎን እንትዛረብ ኣበይ ከም ዘሎ ረኺበዮ’’ ክብል ይገልጽ፡፡

ሽዑ እቲ ኣካቢ ነቲ ፎቶ ርእዩ ‘‘ፈጺሙ ኣይኣመነን፡፡ መነጽረይ ከውጽእ ገይሩኒ’’ ኢሉ።

ስእልታት ዓብዱን ርእይቶ ተመልከትን

ዓብዱ ዝሰኣሎም ስእልታት ቁጽሮም እኳ ብልክዕ ዝፈልጦም እንተዘይኮነ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ፣ ከባቢኡን ንስራሕ እንትንቀሳቐስን ‘‘ብዙሕ’’ ስእሊ ከም ዝሰኣለ ይገልጽ፡፡

ኩነታት ኣብ ዝመቸዎ ኩሉ ሻብ እዩ ዝስእል፡፡ እዚ ዓይነ ስዉር ሰኣላይ፡ ንፈለማ እዋን ንመሳርሕቱ እዩ ስኢሉ፡፡

‘‘ኣብቲ ክፍሊ ሓንቲ ስእሊ እትስእል ነይራ፡ ካብኣ ክጅምር ኢለ ብኣኣ እየ ተላሚደ’’ ዝብል ዓብዱ፡ ነቲ ካሜራ ብዝተፈለየ መንገዲ ምስ ተረድኦ፡ ንፈለማ እዋን ዝሰኣሎ ስእሊ ንብዙሓት ዘገረመ ከም ዝነበረ ገሊጹ፡፡

‘‘ (እታ ዝሰኣላ) ንመቕርባታ ምስ ኣርኣያቶም ኣይኣመኑን- ስለ ዘይተለመደ፡፡ ይትረፍ ፎቶ፡ ኣብ ስሩዕ ስራሕካ እውን ሰብ ኣይኣምንን’’ ክብል ይዛረብ፡፡

ገለ'ውን ድማ ‘‘ፈሊጥካ እምበር ትርእይ ኢኻ’’ ዝብል ርእይቶ እውን ይበጽሖ እዩ፡፡

ዓብዱ፡ ንሚኒስትር መጓዓዝያ ዳግማዊት ሞገስ ሓላፊት ኮምኒኬሽን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ እናሃለወት ናብ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ዝበጸሐትሉ እዋን ስእሊ ስኢልዋ ነይሩ፡፡

ኣብቲ እዋን በቲ ዝወሰዶ ስእሊ ከም ዝተደነቐት ዝገልጽ ዓብዱ ነታ ስእሊ ዝተፈለየ ቦታ ከም ዝህባ ተዛሪቡ፡፡

‘‘ብዙሕ ግዘ ምስ መሳርሕተይን ኣብ ምምሕዳር ምስ ዘለዉ ሰባትን ስለ ዝቀራረብ ስእሊ ንምስኣል ኣይፈርሕን፡፡ ከምዚ ሃንደበት ሰብ መጺኡ ስእሊ ሰኣል ምስ ተብሃልኩ ግና ክወጽእ እዩ ኣይበልኩን፡፡ እቲ ዝገርም ግን ጽቡቕ ስእሊ ወጺኡ፡፡ ናታ ፎቶ የገርመኒ እዩ’’ ይብል፡፡

ዝስእሎም ስእልታት ጽቡቓት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ‘‘ውሽጠይ ይነግረኒ እዩ’’ ብምባል ድማ ዝኾነ ሰኣላይ ዝፈጥሮም ጌጋታት ክሰርሕ ይኽእል እየ ኢሉ፡፡

ዓብዱ ስእሊጥራሕ ኣይኮነን ዝስእል፤ እቶንን ሞጎጎ ኤሌክትሪክን እውን ይጽግን እዩ።

ነቲ ዝተበላሸወ ኣቕሓ ብምድህሳስ ከም ዘዐርዮን፡ ኣብ ገዝኡ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት እንተተበላሽዩ ካልእ ክኢላ ከም ዘይጽውዕን ይገልጽ፡፡

ናይ ፎቶ ዓውደ ምርኢት ናይ ምድላው ሓሳብ

ዓብዱ ብዓይነ ስዉር ናይ ዝተስኣሉ ስእልታት ዓውደ ምርኢት ናይ ምድላው መደብ ኣለዎ።

እቲ ምርኢት ካብ ገጻት ተፈጥሮ ክሳብ መራሕቲ ሃገር ዘርእዩ ፎቶታት ዝሕዝ እዩ።

እንተኾነ፡ ዋላ'ኳ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ምንስቓስ ጀሚሩ እንተነበረ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣይሰለጦን፡፡ እቲ ትልሚ ግን ሕዚ እውን ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ይገልጽ፡፡

ብተወሳኺ "ናይ ባዕለይ ካሜራ ምስ ወነንኩ'የ ነዚ መደብ ዘዐውቶ። እዚ ኣብ ኢደይ ስለ ዘየለ ግን ክፍጽሞ ኣይከኣልኩን፡፡ እቲ ዝጥቀመሉ ናይ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ከምድልየተይ ከንቀሳቕሶ ኣይክእልን" ይብል።

ብዓይነ ስውር ዝውነን ናይ ፎቶ ስቱዲዮ ምህናጽ ካልእ ናይ ዓብዱ ትልሚ እዩ፡፡

ወዲ 33 ዓመት ዓብዱ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን እዩ።

ኩነታት እንትጠዓዓመሉ ካብ ስእሊ ሓሊፉ ቪድዮታት እውን ክቐድሕ ከም ዝደሊ ይዛረብ።

እዚ ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ኣብዱ፡ "ዓይኒ መርኣዪ እምበር መሕሰቢ ኣይኮነን" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ኣውጊዑና።