ብምኽንያት ግስጋሰ ጣሊባን መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ሓድሽ ኢታማጆር ሸይሙ

ሓይልታት ጣሊባን፡ ንዓበይቲ ከተማታት እናተቖጻጸሩ ናብ ማእከል ይግስግሱ ኣብ ዘለውሉ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንኢታማጆጀር ሹም እታ ሃገር ብካልእ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ተኪኡ።

እቶም ዕጡቓት ብውሕዱ 9 ካብ 34 ክልላዊ ርእሰ ከተማታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ።

ትማሊ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ካንደሓርን ጋንዚኒን፡ ከቢድ ውግእ ነይሩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋህኒ፡ ኣንጻር ሓይልታት ጣሊባን ምዃና ናብ እትፍለጥ ከተማ ማዛር-ኣይ-ሻሪፍ ክጉስጉስ ተንቀሳቒሱ ኣሎ።

ከተምኦም ብኸመይ ክከላኸሉ ከም ዘለዎም፡ ምስ ገለ ዓበይቲ ዓድን መንግስታዊ መራሕቲ እቲ ከባቢ ድማ ዘትዩ ተባሂሉ።

ኢታማጆር ሹም እታ ሃገር ጀነራል ዋሊ ሞሃመድ ኣህማድዚ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተልዓለ ምንጭታት መንግስቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ እዩ ኣብቲ ሓላፍነት ጸኒሑ።

ንዕኡ ተኪኡ ዝተሾመ ድማ፡ ንግስጋሰ ሓይልታት ጣሊባን ንምግታእን እቲ ዘይምርግጋእ ደው ንምባልን ክሰርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሃገራት ኣመሪካን ኣውሮጳን ድሕሪ 20 ዓመታት ሰራዊቶም ካብቲ ከባቢ ጠቅሊሎም የውጽኡ ኣለዉ። ክሳብ መጻኢ ወርሒ መስከረም ድማ ሰራዊቶም ወዲኦም ከውጽኡ መደብ ኣለዎም።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሕለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም።

ካብቶም ምስ ፕረዚደንት ኣሻሪፍ ዝዘተዩ ሓደ ተወላዲ ዓሌት ኡዝቤክ ዝኾነ ኮማንደር ዓብዱል ራሺድ ዲስቱም "ጣሊባን ናብ ሰሜን ብተደጋጋሚ ደፊኦም መጺኦም እዮም፤ እንተኾነ ኩሉ ግዜ እዮም ተስዒሮም ዝምለሱ" ክብል ተሓንዩ።

ፕረዚደንት ኣሽራፍ፡ ንዓመታት ነዞም መራሕቲ ሚሊሻ ንጎኒ ገዲፉ ገጽ ከሊኡዎም ከም ዝነበረ እዩ ዝዝረብ።

ሕዚ ግና ኣብቲ ምክልኻል ሃገር ተስፋ እናቐበጸ ብምምጽኡ ናብኣቶም ገጹ መሊሱ ይርከብ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኩንዱዝ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ርእሰ ከተማ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኢዶም ሂቦም ኣለዉ ተባሂሉ።

እቶም ወተሃደራት ዝነበርሉ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ብዕጡቃት ታሊባን ተታሒዙ ኣሎ።

ጋዝኒ ኣብ ዝተባህለት ካልእ ከተማ ድማ ብሸነኽ ምብራቅ ተኹሲ ከም ዝነበረ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ተዛሪቦም።

ሓደ ኣመሪካዊ በዓል መዚ ንሲቢኤስ ከም ዝበሎ፡ ጣሊባን በቲ ሕዚ ዘሎ ግስጋሰኦም ኣብ 90 መዓልታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክቆጻጸሩዋ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ።

ገለ ሰብ መዚ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ግን ሓይልታት ጸጥታ ንግስጋሰ ዕጡቓት ጣሊባን ኣይከሕልፍዎምን ክብል ንሮይተርስ ይገልጹ።

ካብኣቶም ሓደ ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት ዋሂድ ዖማር፡ "ንዓና ከቢድ እዋን እዩ፤ ግን ኣይንሰዓርን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወሲኹ ድማ፤ "እቶም ዕጡቓት ገለ ከተማታት ይቆጻጸሩ ኣለዉ፤ እንተኾነ ግዝኣት ናይ ምሓዝ ጉዳይ ኣይኮነን፤ እቲ ህዝቢ ስለ ዘይደልዮም፤ ኣይክቕበሎምን" ኢሉ።

ኣብታ ካንዳሃር ዝተባህለት ካልኣይቲ ኣብ ከተማ እታ ሃገር፤ ኣብ ጎደናታት ውግእ ይካየድ ከምዘሎ፤ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ገሊጹ።

ዳይሬክተር እቲ ማሕበር ሮበርት ማርቲኒ ብፍላይ ኣብ ከተማ ላሽካር ሬሳታት ኣብ ምልዓል ይቃለስ ከም ዘሎ ሓቢሩ።