ኣብ ሜክሲኮ ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ ንኣቕራቢት ዜና ቴሌቪዥን ክቐትሉዋ ተሓንዮም

አጉሊያ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኣብ ሜክሲኮ 'ሲጄኤንጄ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዕጸ-ፋርስ ዘዛዋውር ጉጅለ ንኣቕራቢት ዜና ቴሌቪዥን ከም ዝቐትላ ተሓንዩ።

ወሃቢ ቃል፡ ጀነሬሽን ሰንሰለት ዕጽ ጃሊስኮ (ሲጄኤንጄ) ምዃኑ ዝዛረብ ውልቀሰብ ገጹ ብማስክ ሸፊኑ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ እታ ጋዜጠኛ ክትቅተል ዝተወሰነ ኣብ ኣቀራርባኣ ሚዛናዊ ኣይኮነትን ብዝብል ቅርታ እዩ ኢሉ።

እታ ናይ ሚሌኒዮ ቴሌቪዥን ዜና ኣንባቢት ዝኾነት ጋዜጠኛ ኣሴና ኡረስቲ ኣብ እተቕርቦም ጸብጻባት ነዚ ሓደገኛ ጉጅለ ሰንሰለት ዕጸ ፋርስ ንምምካት ንዝተጣየሱ ጉጅለታት ዓርሰ ምክልኻል ትድግፍ እያ ክብል'ውን ይኸስስ።

እታ ጋዜጠኛ ብቐጥታ ከም እትቕተል ክሕነዩላ እንከለው፡ "ነቶም ዝተዛረብክዮም ቃላት መሊስኪ ሓይኽኺ ክትበልዕዮም ኢኺ" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለው።

እዚ ሓደገኛ ጉጅለ ዒዋሉ፡ ናይ ሓሳብ ናጽነት የኽብር'የ እኳ እንተበለ ንዓኣቶም ዝወሃቦም ናይ ዜና ሽፋን ዝተዛበዐን ሚዛናዊ ዘይኮነን እዩ ዝብል ቅርታ ግን ኣለዎ።

ነዚ ዓጸፋ ምላሹ ድማ፤ ነታ ጋዜጠኛ ምቕታል ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ሜክሲኮ፡ ሰባት ካብ ኣዘዋወርቲ ሓደገኛ ዕጸ ፋርስ ዓርሶም ንምክልኻል በብኸባቢኦም ተጎጂሎም ይሰርሑ ኣለው ተባሂሉ።

በዚ መንገዲ፡ እዚ ጉጅለ ንባዕሉ ወዲቡ ነቶም ሓደገኛ ጉጅለታት ዒዋሉ ኣብ ምክልኻል ጽቡቕ ስራሕ ምስርሑ እዩ ዝዝረብ።

እቶም ኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ ከም ዝብልዎ ግን፤ እዚ ጉጅለ ንባዕሉ ካልኦት ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ ዝፈጠርዎ ሓደገኛ ጉጅለ እዩ።

መራሒ ኣብ ልዕሊ እታ ጋዜጠኛ ምፍርራሕ ዝመልኦ ዘረባ ዝፈነወ ጉጅለ፡ ነሜሲዮ ኦሴጉዋሬ ሰርቫንቴስ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ሓደ ብገበን ዝድለ ሰብ እዩ።

ኣመሪካ እዚ ገበነኛ ዝርከበሉ ንዝሓበረ ሰብ 10 ሚልዮን ዶላር ክሽልም እየ ኢላ ኣላ።

ሜክሲኮ፡ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ካብ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ እያ።

በቢጸግዑ ጋዜጠኛ ቀቲልካ ምድርባይ ልሙድ ኮይኑ፡ ከምዚ ኣብ ኣደባባይ 'ክንቐትለኪ ኢና' ኢልካ መግለጺ ምሃብ ግን ዝተለምደ ኣይነበረን።