ኩባ ንደቀቕትን ማእኸለዎትን ውልቀ ትካላት ንግዲ ፍቓድ ሂባ

ኩባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዴሳዊ መንግስቲ ኩባ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ደቀቕትን ማእኸለዎትን ውልቀ ትካላት ንግዲ ሕጋዊ ኮይኖም ንኽሰርሑ ፈቒዱ።

በቲ ሓድሽ ተመሓይሹ ዝወጽአ ሕጊ መሰረት ውልቀ ሰባት ክሳብ 100 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ዝቖጽር ትካላት ንግዲ ክጣይሹ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

ኩባ ቁጠብኣ ንምምዕባል ዘኽእሉ ኣገደስቲ ስጉምታት ትወስድ ከምዘላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሚጌል ዲአዝ-ካኔል ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ናብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ብዛዕባ ቁጠባ እታ ሃገር ኣመልኪቶም ተቓውሞ ስለዘስምዑ’ዩ ዝብል ርእይቶታት’ሎ።

እቶም ኣብ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ዜጋታት መንግስቲ ኩባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝቖጻጸረሉ ዘሎ መገዲ ዝኾነኑ ኮይኖም ፖለቲካዊ ዕርያታት ንኽግበር ሓቲቶም።

ኩባ ነቲ ገጢምዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ስዒቡ ብዝተልዓለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ምኽንያት ብደረጃ ሃገር ብዙሓት ተኣሲሮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተሓቢሩ’ሎ።

መንግስቲ ኩባ ንደቀቕትን ማእኸለዎትን ውልቀ ትካላት ንግዲ ፍቓድ ክህብ ምውሳኑ ኣብታ ሃገር ዝተገበረ ዓብይ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከምዝኾነ ይግለጽ። ቁጠብኣ የንቆልቁል ከምዘሎ ዝዝረበላ ኩባ፡ ናብ ኩባ ዝጉዓዙ ሰባት መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ናውትን ብዘይ ግብሪ ከእትዉ ፈቒዳ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሕጽረት መድሓኒትን መግብን ንምፉዃስ ተባሂሉ ገለ ኩባንያታት ብዘይ ግብሪ ካብ ወጻኢ ንብረት ከእትዉ ክሳብ ምፍቃድ በጺሓ’ያ። ኣብ ቁጠባ ኩባ ኣውራ እጃም ከምዘለዎ ዝግለጸሉ ዓውዲ ቱሪዝም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዕርዩ ከምዝተጎድአ ተገሊጹ’ሎ።

ኩባ ሽኮር ናብ ወጻኢ ሰደድ ገይራ እቶት ንምርካብ ሸቶ’ኳ እንተነበራ ይኹን እምበር ኣይ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ። እዝን ወድዝን ተደሚሩ ናይታ ሃገር ዓቕሚ ሸርፊ ወጻኢ ስለዝተጸንቀቐ ኩባ ካብ ወጻኢ እተእትዎም ሸቐጣት ንምዕዳግ ከቢድዋ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኩባ ነቲ ቅድሚ ወርሒ ዘጋጠማ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኮነ ካልኦት ጸገማት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ብዘንበረቶ ቁጠባዊ እገዳታት ዘስዓቦ ከምዝኾነ’ያ እትኸስስ።