ቱርኪ ንኢትዮጵያ 'ኩለመዳያዊ ሓገዝ ክገብር እየ' ኢላ

ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶጋን፡ ሃገሩ ንኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ከም እትገብረላ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ከም ዝተዘራረበ ብምግላጽ፡ ሓገዝ ቱርኪ ቐጻሊ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ማዕኸን ዜና ኣናዱሉ ብወገኑ ንዳይሬክቶሬት ኮሚዩኒኬሽን ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ እቲ ፕሬዝደንት ምስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝነበሮ ዝርርብ ቱርኪ ንሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ዓብዪ ዋጋ ትህቦ'ያ ኢሉ።

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ኢንቨስትመንት ካብ ዘውፈራ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ዓለባን ምፍራይ መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ዝኾኑ ገመዳትን ሓዊሱ ኩባኒያታት ቱርኪ ናይ 2.5 ቢሊየን ዶላር ከም ዘውፈሩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ'ውን ኣብ ፖለቲካውን ቑጠባውን ጉዳያት ጽልዋ ካብ ሞንጎ ዝፈጥራ ሓንቲ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽሪ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቱርኪ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበት ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትካላት ቱርክን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝነበራ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ምሕዝነተን ይጠናኸር ምህላው ገሊጻ ነይራ።

እታ ኣምባሳደር "ጽቡቕ ፖለቲካዊ ርክብ ኣለና፤ ንግዳዊ ርክብና'ውን ክጠናኸር ስለ ዘለዎ ንሰርሐሉ ኣለና" ከም ዝበለት ኣናዶሉ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ተቕርብ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ምስ ወጽኡ መንግስቲ እታ ሃገር 'ሓሶት እዩ' ምባሉ ይዝከር።