ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ፡ ሓይልታት ትግራይ መገዲ ብምዕጻዎም ረድኤት ምብጻሕ ኣይተኽኣለን ኢሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ መንገዲ ብምዕጻዎም ናብ ትግራይ ዝበጽሕ ረድኤት ተዓናቒፉ ክብል ከሲሱ።

ምጽራይ ሓበሬታ እዋን ህጹጽ ጊዜ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት መግብን መግቢ ዘይኮኑ ናውትን ሒዘን ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ ዝነበራ 198 መኻይን ከይሓልፋ መገዲ ብምዕጻው መጥቃዕቲ ሽበራ ፈጺሞም" ኢሉ።

እቶም ሓይልታት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ወረዳ ያሎ ከባቢ ፈረንቲሱ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ'ውን ይገልጽ።

ብወገን ትግራይ ዝቐረብ ክሲ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ኩሎም ኣማራጺ መገዲታት ብምዕጻው ናብቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠሞ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ይገብር ከም ዘሎ የመልክት።

ከም ቴሌኮም፣ መብራህትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብምዕጻው ናብ ትግራይ ዝግበር ምንቅስቓስ ክዕጸው ምግባሩ ወሲኾም ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ "ረድኤት ንኸይበጽሕ መገዲ ዓጽዮም" ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ግን ዛጊድ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዝገዓዛ ዝነበረ መኻይኑ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ንዝግበር ጻዕሪ ኣብ ሓደጋ ክኣትው ከም ዝገብር ድማ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣካል ዛጊት ከም ዘይፈለጠ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

እቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ከተማ ሰመራ ኣስታት 115 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ከም ዝኾነ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ትግራይ ብቐዳም ኣብ መዳብውቲ ትግራይን ዓፋርን ኣንጻር ምስ ፌደራል መንግስቲ ዝተሰለፉ ሓይልታት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ምግላጾም ይዝከር።

መንግስታት ፌደራልን ክልል ዓፋርን ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከባቢ ዓፋር ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ ኣመልኪቶም ነይሮም።

ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንሮይተረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ልዕሊ ምስ መንግስቲ ፌደራል ወጊኖም ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ሓይልታት “ስጉምቲ ወሲድና ኢና” ኢሉ ነይሩ።

እቲ “ዝተገደበ” ክብል ዝገለጾ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከኣ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ናብ ዝመጽኣሉ ክልል ንምምላስ ዝዓለመ ምንባሩ ሓቢሩ።

ሓላፊ ሰላምን ድሕነትን ክልል ዓፋር ኣይተ ኢብራሂም ብቐዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ወረዳ ያሎ ኲናት ከም ዝነበረ ብምሕባር ህዝቢ ንነብሱ ካብ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ክሕልው ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዘካይዶም ዘሎ ወፍርታት ህዝቢ ዓፋር ምትሕብባር ይገብረሎም ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘብጽሖ መጥቃዕቲ ከም ዘይብሉ ጠቒሱ።

መንግስቲ ፌደራል እቲ ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ደው ንምባል ብዝብል በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ'ኳ እንተነበረ እቲ ኲናት ግን ሕጂ'ውን ብዝተፈላለየ ኣንፈት ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ተኹሲ ደው ምባል “ላግጺ እዩ” ዝበሉ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ግብራዊ ክኸውን እንተኾይኑ ብዝብል ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም’ዮም።

እቶም ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም ከም ዘለዉ ዝገልጹ መራሕቲ ትግራይ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክምለስን ንከባቢታት ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ተቖጻጺሮም ዘለው ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወጽኡን ኣብቲ ቅድመ-ኩነት ይሓቱ።

ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ኣምሓራ ግን መንግስቲ እቲ ክልል ካብቶም ይግብኣኒ'ዮም ዝበሎም ከባብታት ከም ዘይወጽእ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ከምኡ'ውን፡ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ስልክን ባንክን ሓዊሱ ተቛሪጹ ዘሎ መሰራተዊ ኣገልግሎት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለስ ይሓቱ።

ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ዓለምለኻዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ብቐጥታ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ክሰርሑ ከፍቅድ ሓቲቱ።

ብዘይ ዝኾነ ገደብ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ክልል ዝኣትወሉ መገዲ ክመቻቸ፡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋትት ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ዝብል'ውን ይርከቦ።