ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተናወጸት ኩባ ኣብ ልዕሊ መግብን መድሓኒትን ዝጸንሐ ቀረጽ ኣልዒላቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኩባ ኣብታ ሃገር ንዝተወለዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ካብ ደገ ዝኣትው መግቢ፣ መድሓኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ዝኽፈል ዝነበረ ቀረጽ ንግዚኡ ክቋረጽ ገይሩ።
ስለዝኾነ ካብ ዝመጽአ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ መዛዘሚ 2021 ተጓዓዝቲ ናብታ ሃገር ሒዞምዎ ዝመጽኡ ከም መግቢ ዝበለ ሸቐጣት ዝኾነ ገደብ ኣይክግበረሉን።
ብሕጽረት መግብን መድሓኒትን፣ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ከምኡ’ውን መንግስቲ ለበዳ ኮሮናቫይሰ ንምቁጽጻር ዝወሰዶም ስጉምትታት ዘየዕገቦም ኣሽሓት ዜጋታት ኩባ ብሰንበት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።
ሓደ ካብ ጠለባቶም ድማ ሰባት ቀረባት ሒዞም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ከለዉ ቀረጽ ክኸፍሉ የብሎምን ዝብል’ዩ።
ነቲ ብሰንበት ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ከለዉ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ከኣ ሰበስልጣን ኣረጋጊጾም።
ኣብታ ሃገር ፍቓድ ዘይረኸበ ሰልፊ ተቓውሞ ምክያድ ከምዘይሕጋዊ ተግባር ዝቑጸር ኮይኑ ኣንጻር መንግስቲ ዝካየዱ ተቓውሞታት ኣይተለመዱን።
“ኣገዳሲ” ውሳነ
ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገር ማኑኤል ማሪዮ ክሩዝ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ብምቕራብ መንግስቱ ንዝገበሮ ለውጢ ኣፍሊጡ’ሎ።
“ካብ ተጓዓዝቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ ስለዝኾነ ነቲ ውሳነ ምውሳድ ከኣ ኣገዳሲ ነይሩ” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፤ መንግስቲ ካብ መዛዘሚ ወርሒ ጀሚሩ “ንነገራት ከምዝምርምር” ሓቢሩ።
ቅድሚ እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ ናብ ኩባ ዝመጽኡ ገያሾ ክሳብ 10 ኪሎ ግራም ዝምዘን መድሓኒት ጥራሕ ካብ ቀረጽ ነጻ ከእትዉ ይፍቀደሎም ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ መግብን ውልቃዊ ጽርየት መሕለዊ ሸቐጣትን እውን ቀረጽ ክኸፍሉ ክግደዱ ጸኒሖም።
እቲ ሕዚ ዝተወሰነ ውሳነ ክሳብ ክንደይ ለውጢ የምጽእ ዝብል ግን ዝፍለጥ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ኩባ ዝገብሩ ሰባት ውሑዳት’ዮም።
ንመንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ዮኣኒ ሳንቼዝ “ንሕና ናጽነት እምበር ከምዚ ዝበለ ሽርፍራፍ ነገራት ኣይኮንናን ንደልይ” ክብል ኣብ ትዊተር ተቓውምኡ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ “ኣብ ሻንጣ መሊእኻ ንዝመጽእ ነገር ብዝብል ኣይኮነን ደም ኩባውያን ኣብ ጎደናታት ዝፈሰሰ” ክብል ጽሒፉ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







