እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንጎረቤት ብድምጺ ረቢሻ ተባሂላ ክትዕጾ ዝተበየነላ ቤተ ክርስትያን ይግባይ ሓቲታ
ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ነባሪ ካብ ቤተክርስትያን መካነ እየሱስ ዝወጽእ ድምጺ ረበሹኒ ኢሉ ጥርዓን ምስ ኣቕረበ፡ ቤት ፍርዲ ክትዕጾ ዝበየነላ ቤተ ክርስትያን፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሰበር ይግባይ ሓቲታ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ “ነቲ ጥርዓን ኣቕራብን ሙሉእ ስድርኡን ብሰላምን ምቹእ ኩነታትን ናይ ምንባር መሰሎም ተንኪፋ እያ” ዝብል ብይን እዩ ሂቡ።
እታ ቤተክርስትያን ብኣገልግሎት ኣምልኮን ስብከትን እትጥቀመሉ ቀጽሪ፡ ንመንበሪ ብዝብል ካርታ ዝወጽኦ ብምዃኑ እቲ ቦታ ነቲ ዝወጽአሉ ትኽክለኛ ዕላማ እዩ ክውዕል ዘለዎ ብዝብል ምኽንያት እዚ ብይን ተዋሂቡ።
ኣካቢ ዓበይቲ ዓዲ እታ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ኣቶ በፍርዱ መሰረት ነዚ ውሳነ ብምቅዋም ብ25 ሰነ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ንመጋባእያ ሰማዒ ጥርዓናት ሰበር፡ ይግባይ ከም ዝበለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ውሳነ መሰረታዊ ጥሕሰት ሕጊ ተፈጺምዎ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎ እዩ ይግባይ ሓቲቱ።
እቲ ጉዳይ ናብ ሰበር ሰማዒ ጥርዓናት ‘ይግባይ ዘብል ድዩ ኣየብልን?’ ዝብል ገና ውሳነ ኣይረኸበን።
እታ ቤተ ክርስትያን ካብ እትምስረት፡ ልዕሊ 26 ዓመታት ከምዝኾናን ልዕሊ 700 ቀዋሚ ቆረብቲ ተገልገልቲ ከም ዘለውዋን ኣቶ በፍርዱ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕዚ ክትዕ ዘልዐለ ቦታ ድማ፡ ካብ 1997 ጀሚራ ኣገልግሎት ክትህብ ከምዝጸንሐት እዩ ዝዛረብ።
ከምኡ’ውን ፡ ን260 ጽጉማት ህጻናት ረድኤት ከምእትህብ ይገልጽ።
ካብታ ቤተ ክርስትያን ዝወጽእ ድምጺ ረቢሹኒ ዝብል እቲ ነባሪ ግና፡ ካብ መንበሪ ገዝኡ 36 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ድምጺ ናብኡ እናተጸገዐ ምስ ዝመጽእ ንዕኡን ስድርኡን ህድኣት ከምዘስኣኖም እዩ ዝጠርዕ።
ብሰንኪ እቲ ድመጺ ዝበጽሖም ጉድኣት ካሕሳ ክኽፈሎምን፡ እቲ ቦታ’ውን ነቲ ዝተሓሰበሉ ንመንበሪ ጥራይ ክውዕልን ይሓትት።
እታ ቤተ ክርስትያን ግን፡ እቲ ክሲ ብመረዳእታ ከምዘይተደገፈን፡ እቲ ‘ዝርብሽ ድምጺ’ ዝበሎ ድማ እቶም ጽጉማት ቆልዑ ዝርድእሉ መደብ ከምዝኾነ ትሙጉት።
ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘሎ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ኩነታት ካሕሳ ምሕታት ድማ ኣግባብ ኣይኮነን ትብል።
ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ፡ እታ ቤተ ክርስትያን ንኸሳሲ መሰሉ ካብ ምትንካፍ ትቆጠብ፤ ከምኡ ድማ፡ ንከይዲ ቤት ፍርዲ ዘውጸኦ ወጻኢታት ትኽሓስ ዝብል ውሳነ ሂቡ ነይሩ።
ይግባይ ዝቐረበሉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ እቲ ከሳሲ ንቤት ፍርዲ ኣውጺእዎ ዝተበሃለ ወጻኢታት 5000 ብር ካሕሳ ይከፈሎ ኢሉ ካብ ምንጻሩ ወጻኢ እቲ ብይን ብኡ ክጸንዕ ብ18 ሰነ 2013 ዓ.ም ወሲኑ።
ኣይተ በፍርዱ ግና፡ ካብታ ቤተ ክርስትያን ድምጺ ከይወጽእ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን እቲ ማስተር ፕላን [ካርታ] ድማ ንክልቲኡ ኣገልግሎት ከምዝኸውን ተገይሩ ከምዝተዓረየ እዩ ዝዛረብ።
ከይዲ እቲ ክሲ፡ ኣብ 2009 ዝተጀመረ ኾይኑ፡ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቀሺ እታ ቤተ እምነት እዩ ክሲ ተመስሪቱ ነይሩ። እንተኾነ፡ “እቲ ትካል ‘ምበር ኣገልጋሊ ቀሺ ክኽሰስ የብሉን” ብዝብል እቲ መዝገብ ተዓጽዩ ነይሩ።