ፕረዚደንት ኮሎምብያ ዝነበረላ ሄሊኮፕተር ዘጥቀዐ ሰብ ንዝሓበረ ዓቢ ሽልማት ቀሪቡ

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ኢቫን ዱኬ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኩኩታ ምስ ቀረበ እዩ ዝተሳፈረላ ሄሊኮፕተር ናይ ተኹሲ መጥቃዕቲ ዘጋጠማ።

ናይታ ሄሊኮፕተር ላዕለዋይ ክንፍን ጭራን ብጠያይቲ ተበሳሲዑ ዘርኢ ስእልታት’ውን ተራእዮም።

በቲ መጥቃዕቲ ዋላ ሓደ ሰብ ዝተጎድአ ከምዘየለ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኣመሪካን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሄሊኮፕተር ፕረዚደንት ኮሎምብያ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኮኒኖምዎ።

ካብቶም ምስ እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሄሊኮፕተር ተሳፊሮም ዝነበሩ ሓደ ዝኾነ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓይልታት ኮሎምብያ ዴጎ ሞላኖ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሄሊኮፕተር መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ሰባት እኒመን ከምዝኾኑ ንዝሓበረ ሽልማት ከምዝተዳለወ ትማሊ ቀዳም ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፖሊስ እታ ሃገር፡ ንመጥቃዕቲ እታ ሄሊኮፕተር ውዒሎም እዮም ዝበሎም ናይ ኵናት መሳርሒ ኣብ ጥቓ ኩኩታ ከምዝረኸበ ዕላዊ ገይሩ። ካብቶም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ መሳርሕታት ሓዲኦም ሓይልታት ምክልኻል ቬንዙዌላ ዝጥቀምሉ ከምዝኾኑ ዘርኢ ኣርማ ከምዝተረኸቦ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ጀነራል ጆርጅ ቫርጋስ ገሊጹ።

“ደድሕሪ እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ሰባት ኢና ዘለና፤ ክሳብ ኣብ ቀይዲ እነእትዎም ተስፋ ኣይንቖርጽን” ክብል’ውን ትዊት ገይሩ’ሎ። እቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ዱኬ ኣብ ክልል ካታትሙቦ ኣብ ዝኾነ በዓል ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ከምዝተኻፈለ ተፈሊጡ። እቲ ከባቢ ኣብ ዶብ ኮሎምብያን ቬንዙዌላን ዝርከብ ኮይኑ ንመቐመሚ እጽ ኮከይን ዝኸውን ተኽሊ ኮኳ ዝቦቕለሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኮሎምብያ፡ ጎረቤታ ቬንዙዌላ ኣንጻር መንግስቲ ኮሎምብያ ንዝቃለሱ ዕጥቛት ተዕቁብ’ያ ኢላ ትከስስ። እንተኾነ ግን ቬንዙዌላ ‘ኣይወዓልኩዎን’ ክትብል ነቲ ኽሲ ትነጽጎ።

ፕረዚደንት ዱኬ ፖለቲካዊ ስልጣን ኮሎምብያ ካብ ዝጭብጥ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ርክባት በቲኸን ኣለዋ።

ኣብ ኮሎምብያ እቲ ብግዝፈቱ ዓብይ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ኢኤልኤን ዝተብሃለ ዓማጺ ጉጅለ ኣብ ክልል ካታትሙቦ ከምዝንቀሳቐስ ይግለጽ። እቲ ዓማጺ ጉጅለ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ መኪና ዝተጻወደ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ክልተ ኣመሪካውያን ወተሃደራውያን ኣማኸርቲ ሓዊሱ 36 ሰባት ከምዝተጎድኡ ይዝከር።