ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ፡ ንሕቶ ይግባይ፡ ጥርጥርቲ ገበን ጭውያ: ኣድሪያና ሪቫስ ነጺጉዎ

ኣብ ኣውስትራልያ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ዝተቐመጠት ጓል 68 ዓመት ኣድሪያና ሪቫስ፡ ኣብ 1970 ምስ ምስጢራዊ ትካል ስለያ ቺለ፡ ኣብ ጭውያ ሰባት ብምስታፋ ተኸሲሳ ኣብ 2019 ኣብ ሲድኒ ተታሒዛ ተኣሲራ። ይኹን እምበር ወይዘሮ ሪቫስ ሕጂ እውን ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል እያ።

ሰበ-ስልጣን ቺለ፡ ወይዘሮ ሪቫስ፡ ብ1976 ንጸሓፊ ኮምዩኒስት ፓርቲ ቺለ ቪክተር ዲያዝን ሽዱሽተ ደገፍቱን ኣብ ምስዋር ከም ዝተሳተፈት እያ ትኽሰስ።

እቶም ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይእመን።

ሃገረ ቺለ፡ ነታ ኣብ ኣውስትራሊያ ብምጭዋይ ሰባት ተኸሲሳ ዘላ ኣድሪያና ሪቫስ ናብ ቺለ መጺኣ ክትሕተት ሕቶ ኣቕሪቡ። ስለዚ ከኣ እያ ኣድሪያና ትማጐት ዘላ።

አድርያና ሪቫስ መን እያ?

ወይዘሮ ሪቫስ ካብ 1973 ክሳዕ 1976 ጸሓፊት ናይቲ ኣብ ቺለ ዝነበረ ምስጢራዊ ሓይሊ ፖሊስ ማኑዌል ኮንትራስ እያ ነይራ። ማኑኤል ኮንትሮራስ ኣብ 2015 ብዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንልዕሊ 500 ዓመታት ተፈሪዱ እዩ።

ወይዘሮ ሪቫስ ኣብቲ ብጀነራል ፒኖቸ ዝተመስረተ ምስጢራዊ ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብ ሃገራዊ ኢንተሊጀንስ ዳይሬክተር (ዲና) ፖለቲካውያን ተጻረርቲ ንምህዳን ትሰርሕ ነይራ።

እቲ ዲና ዝተሰምየ ናይ ስለያ ትካል፡ ፒኖቸ፡ ኣብ መስከረም 1973 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ምስ ሓዘ ንተቓወምቱ ንምድቋስ እተፈጥረ ትካል ጥፍኣት እዩ።

እቲ ብጭካነ ዝልለ ትካል ንኣሽሓት ሰባት ቀቲሉ፡ ጨውዬ፡ ኣሳቕዩ። ካብ 1973 ክሳዕ 1990 ኣብ ዝነበረ ዘበነ ፒኖቸ ልዕሊ 40,000 ሰባት ብፖለቲካዊ ተሃዲኖም፡ ካብኦም ድማ ልዕሊ 3,000 ሰባት ኣብቲ ወፈራ ሃድን ሞይቶም።

[ወይዘሮ ሪቫስ] እንታይ ኢላ ነይራ?

ወይዘሮ ሪቫስ ኣብቲ ጭውያ ኢድ ከምዘይብላ እኳ እንተሓበረት ፡ ብ2013 ምስ ኣውስትራልያዊ ትካል ሚድያ SBS ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ግና፡ ምስ ትካል ስለያ ዲና ዘሕለፈቶ ዓመታት "ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ" እዋን እዩ ክትብል ገሊጻቶ ።ካፕሺን፡ ወይዘሮ ሪቫስ፡ ምስ ሓለቓ ስለያ መንግስቲ ፒኖቸ ማኑኤል ኮንትሬራስ (ጸጋማይ) ምዕያይ ባህ ከም ዝብላ ገሊጻ።

ንሳ ንSBS፡ ኣብቲ እዋን ከመይ ዝኣመሰለ ብሉጽ ክዳን ትኽደን ምንባራ፡ ናብ ዘብለጭልጭ ናይ ድራር ዕደመታት ከምእትሳተፍ ምቾት ዘለወን መካይን ከምእትጥቀምን ኣብ ክቡራት ሆቴላት (መዕረፊ ኣጋይሽ) ከምእተዕርፍን ሓቢራ።

ብዛዕባ እቲ ወከልቲ ዲና ኣባላት ስለያ ዝፈጸምዎ ስቅያት ምስ ተሓተተት፡ "ኣባላት ስለያ ምስጢር ክረኽቡ መርመራ የካይዱ እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ቺለ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጥም እዩ" ትብል ።ወይዘሮ ሪቫስ፡ ኣብታ ሊሰተ ኦሮዝኮ እተሰምየት ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ስቅያት ተግባራት ከምዘይተሳተፈት እያ ትገልጽ።

ይኹን እምበር ንሳ ምስቲ ጭካነ ዝመልኦ ስቅያት እተካይድን ናይ ቅትለት ስልጣን ዝተዋህባ ላውታሮ እተሰምየት ብርጌድን (ዲና እተሰምየት ትካል ስለያ) ነይራ ኢሎም ዝኸሱዋ ብዙሓት እዮም። ወይዘሮ ኦሮዝኮ፡ ንወይዘሮ ሪቫስ ጓል ሓፍታ ነታ ኣብ 2017 ኣብ ፌስቲቫል ፊልም በርሊን ዝተራእየት ሰነዳዊት ፊልም ንምድላው ንሓሙሽተ ዓመት እያ ጽዒራ።

ወይዘሮ ኦዝኮ ብቋንቋ ስፓኒሽ ሰፊሕ መደባት ንእትዝርግሕ ንቢቢሲ ሙንዶ ከም ዝሓበረቶ፡ ናይ ሓትኖኣ ክፋል ዛንታ ንኽትነግር ክትብል እያ ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣዳልያቶ።

እንተዀነ ግን፡ ሚስስ ሪቫስ ኣብቲ ምስጢራዊ ስራሕ ከም እተሳተፈት ዝያዳ ምስ ፈለጠት: እታ ሰራሒት ፊልም ንሓትኖኣን እቶም ተጣበቕቲ ፍትሕን ብስካይፕ ዕሙቕ ዝበለ ዝርርብ ከተካይድ ዘርኢ ስእሊ ኣለዎ።

ብድሕሪኡ እንታይ ክኸውን’ዩ ?ወይዘሮ ሪቫስ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ብቤት ፍርዲ ኣብ ዝተነጽገትሉ እዋን፡ ንሓቅነት ናይቲ ወኪል ትካል ስለያ ዲና ኔራ ዝብል ዝቐረበላ ሰነዳት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትያቶ።ወይዘሮ ሪቫስ ነቲ ናብ ቺለ አሕሊፍካ ንምሃባ ዝግበር ዘሎ ምጉት ክሳብ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይተረፈ ብምኻድ ይግባይ ክትብለሉ ከምእትኽእል እዩ ዝዝረብ።