ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ተወዳደርቲ ሳይክል ጉድኣት ዘብጸሐ መራሒ መኪና ተኲሱ ቀቲሉ

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣሪዞና፡ ኣብ ልዕሊ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝዓለመ ውድድር፡ ዘካይዱ ዝነበሩ ሳይክሊስት ጉድኣት ዘብጸሐ መራሒ ሚኪና፡ ፖሊስ ተኲሱ ቀቲልዎ።

ካብቶም ሳይክል ተወዳደርቲ፡ እቶም ሓሙሽተ ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዝርከብ ተገሊጹ።

እቲ ሓደጋ፡ ንጎሆ 7፡25 ‘ሾው ሎው’ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ እዩ ኣጓኒፉ።

ፖሊስ፡ ነቲ ወዲ 35 ዓመት ይኸውን ዝበሎ ጥርጡር፡ ወዲ ተባዕታይ ጻዕዳ እንትኸውን፡ ነቲ ኩነታት ፈጺሙ ከምልጥ ምስ ፈተነ ፖሊስ ተኸታቲልዎ ተባሂሉ።

ካብኡ ድማ፡ ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ከውዕል እንትፍትን፡ ካብ ድሕሪት ሓደ ማይል ርሕቑ፡ ኣብ ውሽጢ መኪና እንከሎ ጨሚቱ ተኲሱ ወቒዕዎ።

ወሃቢት ቃል ክፍሊ ፖሊስ እታ ከተማ፡ ክሪስቲን ኤም ስላይተር፡ “ማሕበረሰብና በቲ ፍጻመ ኣዝዩ ሰንቢዱ እዩ። ጸሎትናን መንፈስናን ምስቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ተወዳደርቲ እዩ ዘሎ” ኢላ።

ፖሊስ፡ ክፍሊ ውሕስነት ህዝቢ ኣሪዞና፡ ነቲ ዘተፈጸመ ገበን ኣብ ምምርማር ይሕግዞ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበጽሖም ሽድሽተ ተወዳደርቲ ሳይክል፡ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆስፒታል ዝተወስዱ እንተኾኑ’ኳ፡ ካብ መንጎኦም ኣርባዕቲኦም ኣብ ዘሻቕል ኩነታት እዮም ዝርከቡ ተባሂሉ።

እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኮይኖም ግን ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድል ከምዘለዎምን ኣብ ህዱእ ኩነት ከምዝርከቡን ፖሊስ ገሊጹ።

ሓደ ኣብቲ ከባቢ እንዳ ሳይክል ሱቕ ዘለዎን ነዚ ውድድር ዝመወለን፡ ማይክ ጋድዊን፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ከምዝበሎ፡ እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ኣባላት ተወዳደርሪ ጉጅለ ፡ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮም ምድብ ዝርከቡ እዮም።

ኣባላት እተዚ ጉጅለ፡ ዕድሚኦም 55 ልዕሊኡን ዝርከብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ‘ባይክ ዘ ብሉፍ’ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ውድድር፡ 93 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሽፍን ኣብ ምብራቓዊ ኣሪዞና እዩ ዝካየድ ነይሩ።

እቲ ውድድር፡ ኣብ ከተማ ሾው ሎው፡ ንሓደ ማውንቴን ክርስትያን ዝበሃል ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ፡ገንዘብ ንምውጻእ ዝዓለመ እዩ ነይሩ ተ ባሂሉ።